ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምትንሳእን ምውዳቕን “ክኢላታት”

ምትንሳእን ምውዳቕን “ክኢላታት”

ምትንሳእን ምውዳቕን “ክኢላታት”

መርበብ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኣልዩካ እሞ ኣብኡ ንወለዲ ዚኸውን ምኽሪ እንተ ኣናዲኻ: ልዕሊ 26 ሚልዮን ዚኸውን መወከሲታት ምረኸብካ። ንነፍሲ ወከፍ መወከሲ ንምንባብ ሓንቲ ደቒቕ እንተ ትወስድ: ቅድሚ ንባብ ምውዳእካ ውሉድካ ዓብዩ ርእሱ ምኸኣለ ነይሩ።

ሓካይም ቈልዑ: ሳይኮሎጀኛ ቘልዑ: ከምኡውን ኢንተርነት ቅድሚ ምምጻኦም: ወለዲ ምኽሪ ደልዮም ናበይ እዮም ዚኸዱ ነይሮም፧ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ናብ ቤተሰቦም እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ኣዴታት: ኣቦታት: ኣሞታት: ሓትኖታት: ሓወቦታት: ከምኡውን ኣኮታት መምርሒ ንኺህቡን ብቝጠባ ዝመጸ ንኺሕግዙን ውሉዳት ኣብ ምእላይ እጃሞም ኬበርክቱን ይኽእሉ ነበሩ። ይኹን እምበር: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኻብ ገጠር ናብ ኸተማ ብምግዓዙ: እዚ ኸምዚ ዝበለ ጥብቂ ርክብ ቤተሰብ ተበትከ። ሎሚ መብዛሕትኡ ግዜ: ኣቦታትን ኣዴታትን ነቲ ውሉድ ናይ ምዕባይ ብድሆ በይኖም ኰይኖም እዮም ዚጋጠምዎ ዘለዉ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ውሉዳት ናይ ምክንኻን ኢንዱስትሪ ብናህሪ ንኺዓቢ ምኽንያት ዝዀኖ እዚ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ኻልእ ምኽንያት ድማ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዚግበር እምነት ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ እዩ። ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ህዝቢ ኣመሪካ: ስነ-ፍልጠት ንዅሉ መዳይ ሰብኣዊ ህይወት ኬመሓይሾ ኸም ዚኽእል ገይሮም ይኣምኑ ነበሩ። ከምዚ እንተ ዀይኑ እሞ ንምዕባይ ውሉዳት እውን ኬመሓይሾ ይኽእል እዩ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ሃገራዊ ባይቶ ኣዴታት ኣመሪካ ብ1899 “ነቲ ወለዲ ዘለዎም ጕድለት ብቕዓት” ብዚምልከት እተሰምዖ ጓሂ ምስ ገለጸ: ብዙሓት “ናይ ስነ-ፍልጠት ክኢላታት” ኣብዚ ኢዶም ኬእትዉ ጀመሩ። ነቶም ዚቃለሱ ዝነበሩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከም ዚሕግዝዎም ከኣ ተመባጽዑ።

ብመጽሓፍ ተጠቒምካ ውሉዳት ምዕባይ

ይኹን እምበር: እዞም ክኢላታት እዚኣቶም እንታይ ዕማም እዮም ዓሚሞም፧ እዞም ሕጂ ዘለዉ ወለዲ ኻብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ብዙሕ ጭንቀት ዘይብሎምን ውሉዳቶም ንምዕባይ ብዚግባእ እተዓጥቁን ድዮም፧ ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ብሪጣንያ ዝወጸ ጸብጻብ: እቲ መልሲ ‘ኣይኰነን’ ዚብል እዩ። እዚ ጸብጻብ እዚ ኸም ዝገለጾ: ካብ መንጎ እቶም ንኣሽቱ ውሉዳት ዘለውዎም ወለዲ እቶም 35 ሚእታዊት ዝዀኑ ገና ኺተኣማመኑሉ ዚኽእሉ ምኽሪ የናድዩ እዮም ዘለዉ። ገሊኦም ድማ ልቦም ንዚነግሮም ካብ ምስዓብ ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።

ኣን ሁልበርት ኣብታ ረይዚንግ ኣመሪካ:- ኤክስፐርትስ: ፓረንትስ: ኤንድ ኤ ሰንቹሪ ኦቭ ኣድቫይስ ኣባወት ችልድረን ዘርእስታ መጽሓፋ: ብዛዕባ እቲ ሰብ ሞያ ንምዕባይ ውሉዳት ብዚምልከት ዘዳለውዎ ጽሑፋት ጠቒሳ ነበረት። እዛ ንባዕላ ኣደ ኽልተ ቘልዑ ዝዀነት ሁልበርት: መብዛሕትኡ ኻብቲ ርኽበት ክኢላታት ጽቡቕ መሰረት ኣብ ዘለዎ ስነ-ፍልጠት እተመስረተ ዘይምዃኑ ጠቐሰት። የግዳስ: እቲ ምኽሮም ኣብ ውድዓዊ ሓቅታት እተመስረተ ዘይኰነስ: ብብሕታዊ ህይወቶም እተጸልወ እዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ኽትሓስቦ ኸለኻ: እቲ ዝጸሓፍዎ ነገራት ነዊሕ ኪጸንሕ ዘይክእል: ንሓድሕዱ ዚጋጮ: ሓድሓድ ግዜ ድማ ስግንጢር እዩ።

ወለዲ እንታይ እንተ ገበሩ ይሓይሽ፧ ሓቂ ንምዝራብ: ብዙሓት ወለዲ ተደናጊሮም እዮም ዘለዉ: ከምኡውን ብዙሕ ምኽርን ርእይቶን ክርክርን የጓንፎም እዩ ዘሎ። ይኹን እምበር: ኵሎም ወለዲ መምርሒ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ወለዲ ኻብቲ ሕጂውን እንተ ዀነ ዜተኣማምን ምኽሪ ዚርከቦ ጥንታዊ ምንጪ ጥበብ ይጥቀሙ ኣለዉ: ነዚ ድማ ኣብዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።