ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘፍቅሮም ሰባት ብዘርኣይዎ ተኣማንነት ተጠቐምኩ

ዘፍቅሮም ሰባት ብዘርኣይዎ ተኣማንነት ተጠቐምኩ

ታሪኽ ህይወት

ዘፍቅሮም ሰባት ብዘርኣይዎ ተኣማንነት ተጠቐምኩ

ካትሊን ኩክ ዘዘንተወቶ

ዓባየይ ሜሪ አለን ቶምፕሰን ብ1911 ንኣዝማዳ ኽትበጽሕ ኢላ ናብ ግላስኮ: ስኮትላንድ ከደት፣ እቲ ውሩይ ኣባል እቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዚፍለጡ: ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ዝሃቦ መደረ ድማ ሰምዐት። ዓባየይ በቲ ዝሰምዓቶ ተመሰጠት። ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ተመልሰት ከኣ ምስቶም ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተራኸበት። ካብ መንጎ እቶም ኣብ ሚያዝያ 1914 ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ እተጠመቑ 16 ሰባት ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ: እታ ኢዲት ዝስማ ኣደይ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ነበረት።

ሓው ራስል ብ1916 ምስ ሞተ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምስምማዕ ተፈጥረ። ቍጽሪ እቶም ኣብ ደርበን ዝነበሩ እሙናት ሰባት ካብ 60 ናብ 12 ጐደለ። ኢንግቦርግ ምዩርዳል ዝስማ ዓባየይን እቲ ሽዑ እተጠመቐ ሄንሪ ዝስሙ ወዳን ግን ኣብ ጐድኒ እቶም እሙናት ሰባት ቈሙ። ብ1924 ሄንሪ ሓደ ኻብቶም ሽዑ ኮልፖርተር ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣገልገለ። ብ1930 ሄንሪን ኢዲትን ተመራዓዉ: ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ኣነ ተወለድኩ።

ቤተሰብና

ዋላኳ ንግዜኡ ኣብ ሞዛምቢክ ንነብር እንተ ነበርና: ብ1939 ግን ናብ ገዛ እንዳ ኣቦሓጎይ ቶምፕሰን ገዓዝና። ኣቦሓጎይ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ስለ ዘይነበሮ: ሓድሓደ ግዜ ንዓባየይ ይጻረራ ነበረ፣ ይኹን እምበር: ተቐባሊ ጋሻ እዩ ነይሩ። ብ1940 እታ ተልማ ዝስማ ሓብተይ ተወልደት: ኣነን ንሳን ድማ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ምሕላይ ተመሃርና። ኣብ ግዜ ድራር ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ ዘጋጠመናን ናይ ዝሓለፈ እዋን ተዘክሮታትን ከነዕልል ነምሲ ነበርና።

ቤተሰብና በቶም ኪበጽሑና ኢሎም ዝመጹ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብሕልፊ ድማ በቶም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግልቲ ኣዝዩ ባህ ይብላ ነበረ። ንሳቶም ኣብቲ ኣብ ግዜ ድራር እንገብሮ ዕላል ይካፈሉ ነበሩ: እቲ ዚዛረብዎ ዝነበሩ ነገራት ድማ ነቲ ንመንፈሳዊ ውርሻና ዝነበረና ሞሳ ኸም ዚውስኽ ገበሮ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣነን ተልማን ከምኦም ፈለምቲ ንኽንከውን ዝነበረና ባህጊ ኣደልደሎ።

ገና ንኣሽቱ ኸለና ናይ ምንባብ ፍቕሪ ኣሕደርና። ኣቦይን ኣደይን ዓባየይን ካብ ሓድሓደ ጽቡቕ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ወይ ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡልና ነበሩ። ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ልክዕ ከምቲ እነስተንፍሶ ኣየር ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ቦታ ነበሮ። ኣቦይ ናይታ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝነበረት ጉባኤ ኣስተናባሪ ሓላዊ ስለ ዝነበረ: ብእዋኑ ኣብቲ ኣኼባታት ንበጽሕ ነበርና። ዓብዪ ኣኼባ ኺህሉ ኸሎ ድማ ኣቦይ ኣብ ምምሕዳር ይሕግዝ ነበረ: ኣደይ ከኣ እቶም ዕዱማት ዜዕርፉሉ ቤት ተዳሉ ነበረት።

ፍልይ ዝበለ ዓብዪ ኣኼባ

እቲ ብ1948 ኣብ ጆሃንስበርግ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ፍሉይ ነበረ። ንፈለማ እዋን ኣባላት እቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም ነበሩ። ኣቦይ ድማ በታ ማኪናኡ ገይሩ ንናታን ኖርን ንሚልተን ሄንሸልን ኬበጻጽሖም ተመደበ። ኣነ ድማ ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ እቲ እየ ተጠሚቐ።

ብዙሕ ከይጸንሐ: ኣቦሓጎይ ድሕሪ ሞት ራስል በቶም ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓደግዎም ሰባት ንኺጽሎ ብምፍቃዱ ኸም ዘጠዓሶ ምስ ነገሮ ኣቦይ ደንጸዎ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ሞተ። ዓባየይ ምዩርዳል ግን ብ1955 ተኣማንነታ ሓልያ ምድራዊ ህይወታ ዛዘመት።

ንህይወተይ ዝቐረጻ ፍጻመታት

ብ1 ለካቲት 1949 ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ብዛዕባ እቲ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚግበር ኣህጉራዊ ኣኼባ ምልክታ ምስ ተነግረ: ሓጐስና ኺውስኽ ጀመረ። ናብኡ ንኽንከይድ ድማ ብሃንቀውታ ንጽበ ነበርና: እዚ ግን ልዕሊ ዓቕምና ነበረ። ብድሕሪኡ: ኣብ ለካቲት 1950 ኣቦሓጎይ ቶምፕሰን ምስ ሞተ: ዓባየይ ነቲ ዝወረሰቶ ገንዘብ ንሓሙሽቴና ንመጐዓዝያ ኸፈለትልና።

ቅድሚ ምኻድና ሒደት ሰሙናት ኣቐድም ኣቢሉ: ካብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደብዳበ በጽሓትኒ። ኣብ መበል 16 ኽፍሊ እቲ ንሚስዮናውያን ዜሰልጥን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽካፈል ዚዕድም ነበረ። እቲ ዜገርም ድማ ገና ጓል 17 ዓመት ኣይኰንኩን ነይረ። እቲ ትምህርቲ ኺጅመር ከሎ: ኣነ ኻብ መንጎ እቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ዓሰርተ ተመሃሮ ነበርኩ: በዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ተሓጒሰ እየ።

ኣብ ለካቲት 1951 ምስ ተመረቕና: ሸሞንተ እንኸውን ሰባት ሚስዮናውያን ኴንና ንኸነገልግል ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመለስና። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ሒደት ዓመታት: ኣነን እታ መገላግልተይን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ኣፍሪካኣንኛ ዚዝረበለን ንኣሽቱ ኸተማታት ነገልግል ነበርና። ፈለማ ነቲ ቛንቋ ኣይክእሎን ነበርኩ: ኣብ ኣገልግሎተይ ውጽኢታዊት ብዘይ ምዃነይ እናበኸኹ ብብሽክለታ ናብ ገዛይ እተመለስኩሉ እዋን እውን ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ግዜ ምምሕያሽ ገበርኩ፣ የሆዋ ድማ ንጻዕርታተይ ባረኾ።

ሓዳርን ዕዮ መገሻን

ብ1955 ምስ ጆን ኩክ ተፋለጥኩ። ቅድሚ ኻልኣይ ውግእ ዓለምን ብድሕሪኡን ነቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ፈረንሳን ፖርቱጋልን ስጳኛን ኣብ ምጅማር ሓጊዙ እዩ: ኣብታ እተፋለጥናላ ዓመት ድማ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ነበረ። ድሕሪኡ ጆን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን: ሰለስተ ሃንደበታዊ ነገራት ኣጋጠመኒ . . . ሓደ ለጋስ ሓው ንእሽቶ ማኪና ሃበኒ: ኣገልጋሊ ኣውራጃ ዀይነ ተሸምኩ: ከምኡውን ንሓንቲ . . . ጓል ኣፍቀርኩ።” a ኣብ ታሕሳስ 1957 ድማ ተመርዓና።

ኣብ ግዜ ወረዘ ኸለና: ምስኡ ምንባር ዘሰልኪ ኸም ዘይኰነ ይነግረኒ ነበረ: ሓቁ ድማ እዩ ነይሩ። ነተን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ: መብዛሕትአን ኣብቲ ጸለምቲ ዚነብሩሉ ዚርከባ ጉባኤታት ንበጽሐን ነበርና። ሰሙን ሰሙን ይትረፍዶ ኣብቲ ጸለምቲ ዚነብሩሉ ቦታ ኽንሓድርስ: ናብኡ ንኽንኣቱ እውን ከይተረፈ ፍቓድ ንምርካብ ንጽገም ነበርና። ሳሕቲ ኸኣ ሓላፍ መገዲ ኸይርእየና እናተጠንቀቕና ኣብቲ ጸዓዱ ዚነበሩሉ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ባዶ ድኳን ኣብቲ ባይታ ንሓድር ነበርና። መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም ኣብ ዝቐረበ ቦታ እንረኽቦም ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቖም ዚርከቡ ጸዓዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድር ነበርና።

ዓብዪ ኣኼባ ንምግባር እንጥቀመሉ ዝነበርና መአከቢ ኣዳራሽ ኣብ በረኻ እተሰርሐ ብምንባሩ ኣጸጋሚ ነበረ። ነቶም ሰባት ነቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ፊልምታት ነርእዮም ነበርና: እዚ ድማ ነቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትነና ንኺርድኦም ሓገዞም። ኣብቲ ኸባቢ ሓይሊ ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረ: ጀነሬተርና ንወስዳ ነበርና። ብተወሳኺ ድማ ነታ ዓዲ ብመጕዚነት ሒዛታን ንጽሑፋትና ኣጊዳቶ ዝነበረትን መንግስቲ ብሪጣንያ ዘውረደትልና ምጽራር ክንዋጽኣሉ ነበረና: ኣብ ርእሲኡ ድማ ነቲ ዙሉ ዚበሃል ቋንቋ ኽንመሃሮ ነበረና። ኰይኑ ግን ንኣሕዋትና ኸነገልግሎም ብምኽኣልና ተሓጒስና ኢና።

ኣብ ነሓሰ 1961 ጆን ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኣርባዕተ ሰሙን ዚግበር ዝነበረ ነቶም ሓለውቲ ጉባኤ ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተመስረተ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ መጀመርታ መምህር ኰነ። ብኣመሃህራ ዝመጸ ኽኢላ ስለ ዝነበረ: እቲ ዜቕርቦ ቐሊል መጐተን ኪርሳዕ ዘይክእል ንጹር መብርህን ንኣልባብካ ዚትንክፍ እዩ ነይሩ። ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ዚኸውን ብቛንቋ እንግሊዝኛ እናመሃረ ኻብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ንጐዓዝ ነበርና። ጆን ኪምህር ከሎ: ኣነ ድማ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እካፈል ነበርኩ። ብድሕርዚ: ካብ 1 ሓምለ 1964 ጀሚርና ኣብቲ ኣብ ጥቓ ጆሃንስበርግ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንኸነገልግል ዚዕድም ደብዳብ ተቐበልና።

ኣብቲ እዋን እቲ ግን ጥዕና ጆን ኬተሓሳስበና ጀመረ። ብ1948 ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣጥቂዕዎ ነበረ: ብድሕሪኡ ድማ ብተደጋጋሚ ኣካላዊ ድኻም ይስምዖ ነበረ። ሓደ ግዜ ምልክት ሕማም ኢንፍሉወንዛ ኼርኢ ጀመረ: ንነዊሕ መዓልትታት ድማ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኰነ ምስ ሰብ ኪራኸብ ዘይክእል ኰይኑ ነበረ። ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ክንከይድ ጻውዒት ቕድሚ ምቕራቡ ዘማኸርናዮ ሓኪም: ጆን ናይ መንፈስ ጭንቀት ከም ዘለዎ ነገረና።

እቲ ዶክተር እንፍጽሞ ንጥፈታት ክንቅንስ ርእይቶ እኳ እንተ ሃበና: ከምዚ ምግባር ግን ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ጆን ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ተመደበ: ኣነ ድማ ኣራዪት ፊደላት ኰንኩ። ናትና ኽፍሊ ብምርካብና ድማ ኣዚና ተሓጐስና። ጆን ቅድሚ ምምርዓውና ኣብቲ ቛንቋ ፖርቱጋልኛ ዚዝረበሉ ኽሊ የገልግል ነበረ: ስለዚ ድማ ብ1967 ነታ ኣብ ውሽጢ ጆሃንስበርግን ከባቢኣን ንዚርከቡ ተዛረብቲ ቛንቋ ፖርቱጋልኛ እትሰብከሎም ዝነበረት ስድራቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽንሕግዛ ተሓተትና። እዚ ኸኣ ካልእ ቋንቋ ንምፍላጥ ገና ኽጽዕር ነይሩኒ ማለት እዩ።

እቶም ተዛረብቲ ቛንቋ ፖርቱጋልኛ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ተበታቲኖም ስለ ዝነበሩ: ሓድሓደ ግዜ ናብቶም ብቑዓት ሰባት ንምብጻሕ ክሳብ 300 ኪሎ ሜተር ዚበጽሕ ጕዕዞ ንገብር ነበርና። ኣብቲ እዋን እቲ እቶም ኣብ ሞዛምቢክ ዚነብሩ ፖርቱጋልኛ ዚዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓብዪ ኣኼባ ኺግበር ከሎ ይበጽሑና ነበሩ: እዚ ድማ ነቶም ሓደስቲ ሰባት ዓብዪ ሓገዝ እዩ ዀይንዎም። ኣብዚ ፖርቱጋልኛ ዚዛረቡ ሰባት ዚርከብዎ ቦታ ን11 ዓመት ኣብ ዝጸናሕናሉ እዋን: እታ 30 ዝዀኑ ሰባት ሒዛ ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለ ናብ ኣርባዕተ ጉባኤ ኽትዓቢ ኸላ ርኢና ኢና።

ኣብ ቤትና እተራእየ ለውጥታት

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ቤት ወለደይ ሓድሓደ ለውጥታት ተራእየ። ብ1960 ተልማ ሓብተይ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፈላሚ ዝነበረ ጆን አርባን ተመርዓወቶ። ብ1965 ድማ ኣብ መበል 40 ኽፍሊ ናይ ጊልዓድ ተኻፈሉ: ኣብ ብራዚል ከኣ ን25 ዓመት ሚስዮናውያን ኰይኖም ብተኣማንነት ኣገልገሉ። ብ1990 ነቶም ዚሓሙ ዝነበሩ ወለዲ ጆን ንምእላይ ናብ ኦሃዮ ተመልሱ። ንሰባት ምእላይ ዜጨንቕ ክነሱ: ንሳቶም ግን ክሳዕ ሕጂ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እዮም።

ብ1965 ዓባየይ ቶምፕሰን ንኣምላኽ እምንቲ ዀይና እናኣገልገለት ኣብ 98 ዕድሚኣ ምድራዊ ህይወታ ዛዘመት። ኣቦይ ከኣ ኣብታ ዓመት እቲኣ ጡረታ ወጸ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣነን ጆንን ነቶም ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ተዛረብቲ ቛንቋ ፖርቱጋልኛ ንኽንሕግዞም ምስ ተሓተትና: ኣቦይን ኣደይን ኣብዚ ምሕጋዝ ምሳና ኺሓብሩ ብወለንታ ናባና መጹ። ነታ ጕጅለና ሰናይ ጽልዋ እዮም ነይሮም: ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ እታ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ተመስረተት። ብዙሕ ከይጸንሐ ኣደይ ብሕማም መንሽሮ ኽትሳቐ ጀመረት: ብ1971 ድማ ሞተት። ኣቦይ ከኣ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ሞተ።

ምስ ሕማም ጆን ምቅላስ

ብ1970ታት ጆን ጥዕና እናሰኣነ ኸደ። ቀስ ብቐስ ድማ ነቲ ዝነበሮ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት: ማለት ነቲ ሰሙናዊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንገብሮ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ነቲ ንግሆ ንግሆ እንገብሮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥን ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ኪሓድጎ ነበሮ። ካብቲ ተመዲቡ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ኽፍሊ ኣገልግሎት ድማ ናብ ክፍሊ ጶስጣ ተቐየረ: ደሓር ከኣ ኣትክልቲ ኺከናኸን ጀመረ።

ጆን ሓቦኛ ስለ ዝነበረ: ለውጥታት ንኺገብር ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ብተደጋጋሚ ቐስ ከም ዚብል ክገብሮ ኸለኹ ድማ እናላገጸ መቝሕ ከም ዝዀንክዎ ይነግረኒ ነበረ: እዚ ግን ብናይ ሞሳ ሕቝፊ እተሰነየ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ፖርቱጋልኛ ዚዛረቡ ሰባት ዘለዉሉ ቦታ ሓዲግና ምስቶም ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጉባኤ ዚገብሩ ኽንካፈል ከም ዘሎና ዀይኑ ተሰምዓና።

ጆን ጥዕና እናሰኣነ ኽነሱ: ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ናይ ማሕርሮ ርክብ ምርኣይ ግን ልቢ ዚትንክፍ እዩ። ብሰንኪ ኸቢድ ጭንቀት ኣብ ከውታ ለይቲ ኺበራበር ከሎ: ክሳዕ ህድእ ኢሉ ናብ የሆዋ ብጸሎት ዚቐርብ ነዕልል ነበርና። ኣብ መወዳእታ ነዚ ኣጸጋሚ ግዜያት እዚ ገዛእ ርእሱ ብምግሳጽ ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:7 ዘሎ “ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ዚብል ሓሳብ እናደጋገመ ንበይኑ ዀይኑ ኺዋጽኣሉ ኸኣለ። ከምዚ ምስ ገበረ ህድእ ስለ ዚብል ጸሎት ይጅምር። ብዙሕ ግዜ እበራበረሉ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ከናፍሩ እናንቀሳቐሰ ናብ የሆዋ ልባዊ ለመና ኬቕርብ ከሎ እርእዮ ነበርኩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣዝዩ ስለ ዝጸበበ: ካብ ጆሃንስበርግ ውጽእ ኢልካ ኻልእ ዝዓበየ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪስራሕ ተጀመረ። ኣነን ጆንን ድማ ናብዚ ጫውጫውን ብከላን ዘይብሉ ሰላማዊ ቦታ ብተደጋጋሚ ንኸይድ ነበርና። ክሳዕ እቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚስራሕ ኣብኡ ኣብ ሓደ ግዜያዊ መዕረፊ ንኽንጸንሕ ተፈቕደልና: እዚ ድማ ንጆን ሓገዞ።

ሓድሽ ጸገማት ኣጋጠመኒ

ናይ ጆን ናይ ምሕሳብን ምርዳእን ክእለት እናደኸመ ስለ ዝኸደ: እተዋህቦ ስራሕ ንምፍጻም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዀነ። በቲ ገሊኦም ኣሕዋት ንጻዕርታት ጆን ንምድጋፍ ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ልበይ ተተንኪፉ እዩ። ንኣብነት: ሓደ ሓው ናብቲ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ኸይዱ ምርምር ኪገብር እንተ ደልዩ: ንጆን ምስኡ ይወስዶ። ጁባኡ ድማ በቲ ዜበርክቶ ትራክትታትን መጽሔታትን ጥርንቕ ይብል ነበረ። እዚ ኸኣ ሓደ ዕማም ከም ዝፈጸመን ዋጋ ዘለዎ ምዃኑን ንኺስምዖ ገበሮ።

ኣብ መወዳእታ ግን ሕማም ኣልዛይመርስ ወይ ረሲዕነት ንጆን ኬንብብ ክሳዕ ዘይክእል ገበሮ። ብካሴት እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራትን ብምህላዉ ድማ ነማስወሉ ነበርና። ደጋጊምና ኸአ ንሰምዖ ነበርና። መብዛሕትኡ ግዜ ጆን ምስኡ ኾፍ ኢለ እንተ ዘይሰሚዐ ይዅሪ ስለ ዝነበረ: ምስኡ ንነዊሕ ሰዓት ኮፍ ኢለ ብኢደይ እኣልምን እርክምን ነበርኩ። እዚ ድማ ብዙሕ ጎልፎን ኮቦርታን ከም ዚህልወና ገበረ።

ሓድሓደ ግዜ ጆን ዝያዳ ቘላሕታ የድልዮ ነበረ። ዋላኳ ንኸንብብ ይኹን ንኸጽንዕ እደክም እንተ ነበርኩ: ክሳዕ መወዳእታ ንዕኡ ምእላይ ግን ከም ፍሉይ ክብሪ ገይረ እየ ዝርእዮ። ብ1998 ወዲ 85 ዓመት ካብ ዚኸውን ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ኣእዳወይ ምስ ዓረፈ: ክሳዕ መፈጸምታ ድማ ነቕ ዘይብል ተኣማንነት ነበሮ። ነቲ ምስ ጥዕናኡን ምስ ኣተሓሳስባኡን ዚትንስኣሉ ግዜ ኣዝየ እየ ዝናፍቖ!

መንፈሰይ ተሓደሰ

ድሕሪ ሞት ጆን: በይነይ ክነብር ከቢዱኒ ነበረ። ስለዚ: ኣብ ግንቦት 1999 ንተልማ ሓብተይን ንሰብኣያን ክበጽሖም ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸድኩ። ብሕልፊ ምስቶም ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ብዙሓት እሙናት ናይ ማሕርሮ ፈተውተይ ምርኻበይ ኣሐጒሱንን ንመንፈሰይ ኣሐዲሱለይን እዩ። ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ምትብባዕ ድማ እዩ ዜድልየኒ ነይሩ።

ብዛዕባ እቶም ዘፍቅሮም እሙናት ሰባት ምዝካረይ ነቲ ዝረኸብክዎ ብዙሕ ጥቕምታት እዩ ዘዘኻኽረኒ። እቲ መምርሒኦምን ኣብነቶምን ሓገዞምን ንኻልኦት ኣህዛብን ዓሌታትን ዘሎኒ ፍቕሪ ኸም ዘግፍሖ ገይሩኒ እዩ። ትዕግስትን ጽንዓትን ተዓጻጻፍነትን ድማ ተመሂረ እየ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ጸጋ እቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ የሆዋ ኽምከሮ ኽኢለ እየ። ንስምዒት እቲ “ኣብ ቦታኻ ኺሐድር ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ። ብበረኸት ቤትካ: ብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና” ኢሉ ዝጸሓፈ ጸሓፍ መዝሙር የቃልሕ እየ።—መዝሙር 65:4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ብ1 ነሓሰ 1959 ዝወጸት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 468-72 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ዓባየይ ምስ ደቃ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብ1948 ኣብ እተጠመቕኩሉ እዋን ምስ ወለደይ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ምስቲ ተሓዝ መዝገብ ጊልዓድ ዝነበረ ኣልበርት ሽሮደርን ምስቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ትሽዓተ ተመሃሮን

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ብ1984 ምስ ጆን