ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እተረስዑ ግዳያት” ተዘኪሮም

“እተረስዑ ግዳያት” ተዘኪሮም

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

“እተረስዑ ግዳያት” ተዘኪሮም

ኣብ ኣጋ መጀመርታ 2001 ሃይጋዝ ዚበሃል ወዲ 15 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ በርን: ስዊዘርላንድ “እተረስዑ ግዳያት” ብዚብል ኣርእስቲ እተዳለወ ምርኢት ረኣየ። እዚ ምርኢት እዚ ናዚ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈጸሞ ግፍዒ ዜርኢ ነበረ። ሃይጋዝ ርእዩ ምስ ወድኤ ኸኣ “ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ስርዓት ናዚ ዜጋጥሞም ዝነበረ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ስቅያትን ሰሚዐ እየ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝነበረ እዋን ዚገልጽ ስእልታትን ሰነዳትን ግን ሕጂ እየ ንመጀመርታ ግዜ ርእየ። እቲ ምርኢት: ጸብጻባት እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት: ከምኡውን ምሁራት ታሪኽ ዘለዎም ርእይቶ ኣብ ኣእምሮይን ልበይን ዓሚቝ ጦብላሕታ እዩ ኣሕዲሩለይ” በለ።

እዚ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተማሃራይ እዚ ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ንመማህርቱ ጸብጻብ ንኬቕርብ ምስ ተመደበ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እቶም እተረስዑ ግዳያት ናዚ” ዚብል ኣርእስቲ መረጸ። መምህሩ ነቲ ዝመረጾ ኣርእስቲ ተሰማምዓሉ እሞ ኻብ ዓለማዊ ጽሑፋት እውን ተወሳኺ ሓሳባት ኬምጽእ ከም ዘለዎ ሓበሮ። ሃይጋዝ ነዚ ተሓጒሱ ተሰማምዓሉ። “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ስርዓት ናዚ ብዛዕባ ዘሕለፍዎ ነገራት ካብ ዚገልጽ መጻሕፍቲ ጽምቝ ኣቢለ ጸሓፍኩ። ኣብቲ ‘እተረስዑ ግዳያት’ ዚብል ምርኢት ዝረኣኽዎ ነገራት ዘሕደረለይ ስምዒት እውን ጸሓፍኩ። እቲ ዘዳለኽዎ 43 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ስእልታትን መብርሂታትን ዝሓዘ እዩ ነይሩ” በለ።

ኣብ ሕዳር 2002 ሃይጋዝ ጸብጻቡ ንመማህርቱ: ንመምሃራኑ: ንስድራቤቱ: ከምኡውን ነዕርኽቱ ኣቕረበ። ብድሕሪኡ ምስ ሰማዕቲ ኣብ እተገብረ ሕቶን መልስን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቱ ንኼብርህ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ፈጠረሉ። ሓንቲ ኻብቶም ሰማዕቲ ስለምንታይ ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ኸም ዝመረጸ ምስ ሓተተቶ: ብዙሓት ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይጠቕስዎም ድሕሪ ምግላጽ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክርስትያናዊ እምነቶም ዘርኣይዎ ትብዓት ሰባት ኪፈልጡ ስለ ዚደሊ ምዃኑ መለሰላ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧

ሃይጋዝ ኪዛረብ ከሎ “መማህርተይ ኣዝዮም ተደመሙ። መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓያል ስደት ይወርዶም ከም ዝነበረ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ኣብ መዳጐኒ ደንበታት ናዚ እቶም መሰኻኽር ካብ ካልኦት ንኽፍለዩ ጁኽ ዝሕብሩ መፈለጥታ ስሉስ ኵርናዕ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ብዙሓት ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም” በለ።

ጸብጻቡ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ ነቶም መማህርቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ምምሕልላፍ ደም: ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ: ከምኡውን ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዘለዎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣረኣእያ ነገሮም። “ካብ መማህርተይ ዜባጨወለይ ወይ ዜላገጸለይ ዋላ ሓደ እኳ ኣይነበረን” ድማ በለ። ብዘይካዚ ኸኣ እቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣብቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ተቐመጠ። እዚ ድማ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ትብዓት ንኸይርሳዕ ዚሕግዝ እዩ።