ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍጥረት ክብሪ ኣምላኽ የዘንቱ!

ፍጥረት ክብሪ ኣምላኽ የዘንቱ!

ፍጥረት ክብሪ ኣምላኽ የዘንቱ!

“ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።” —መዝሙር 19:1

1, 2. (ሀ) ደቅሰብ ክብሪ ኣምላኽ ብቐጥታ ኺርእዩ ዘይክእሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እቶም 24 ሽማግለታት ንኣምላኽ ክብሪ ዝሃቡ ብኸመይ እዮም፧

 የሆዋ ንሙሴ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ: ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢሉ ኣጠንቀቖ። (ዘጸኣት 33:20) ደቅሰብ ካብ ድኹም ስጋ ስለ እተፈጥሩ: ክብሪ ኣምላኽ ብቐጥታ ርእዮም ብህይወት ኪነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ዜደንቕ ትርኢት የሆዋን ግርማዊ ዝፋኑን ብራእይ ረኣየ።—ራእይ 4:1-3

2 እሙናት መንፈሳውያን ፍጥረታት ግን ከም ሰባት ስለ ዘይኰኑ: ገጽ የሆዋ ኺርእዩ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኻባታቶም እቶም ኣብቲ ዮሃንስ ብዛዕባ ሰማይ ዝረኣዮ ራእይ እተጠቕሱ ነቶም 144,000 ዚውክሉ “ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት” ይርከብዎም። (ራእይ 4:4፣ 14:1-3) ክብሪ ኣምላኽ ምስ ረኣዩ እንታይ እዮም ዝበሉ፧ ብመሰረት ራእይ 4:11 “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” በሉ።

‘ዜመኻንይዎ ዚስእኑ’ ስለምንታይ እዮም፧

3, 4. (ሀ) ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዘይስነ-ፍልጠታዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓድሓደ ግዜ ገሊኣቶም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ስለምንታይ እዮም፧

3 ንኣምላኽ ክብሪ ኽትህቦ ትድረኽዶ ኢኻ፧ መብዛሕትኦም ደቅሰብ ንኣምላኽ ክብሪ ኣይህብዎን እዮም: አረ ገሊኣቶምሲ ኣምላኽ ከም ዘሎ እውን ኣይቅበልዎን እዮም። ንኣብነት: ሓደ ተመራማሪ ስነ-ኰዀብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንጥቕምና ኢሉ ጣልቃ ብምእታው ንቆዝሞስ ዝነደፎ ኣምላኽ ድዩ፧ . . . እዚ ዚምስጥ እኳ እንተ መሰለ: ኣነ ግን እዚ ሓሳብ እዚ ኸም መዐሸዊ ገይረ እየ ዝርእዮ። . . . ኣምላኽ ንቆዝሞስ ነዲፍዎ ምባል ብቑዕ መግለጺ ኣይኰነን።”

4 ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ኣብቲ ደቅሰብ ዚዕዘብዎ ወይ ዜጽንዕዎ ጥራይ እተደረተ እዩ። እንተ ዘየለ: ክልሰ-ሓሳብ ወይ ግምት ጥራይ ምዀነ። ኣምላኽ “መንፈስ” ስለ ዝዀነ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ መጽናዕቲ ኺግበረሉ ኣይከኣልን እዩ። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ: ኣብ ኣምላኽ ምእማን ዘይስነ-ፍልጠታዊ እዩ ኢልካ ምንጻጉ ድርቅና እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ዚዓዪ ቪንሰንት ወግልዝወርዝ ዚበሃል ሊቅ: ስነ-ፍልጠታዊ ሜላ ንባዕሉ “ኣብ እምነት እተመርኰሰ” ምዃኑ ገለጸ። ብኸመይ፧ “ተፈጥሮኣዊ ፍጻመ ምስ ‘ሕግታት ተፈጥሮ’ ይሰማማዕ እዩ ኣብ ዚብል ድልዱል እምነት እተመርኰሰ እዩ።” ስለዚ: ሓደ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ምስ ዚኸውን: ሓደ ዓይነት እምነት ብኻልእ ይቕይር ደይኰነን ዘሎ፧ ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣብ ኣምላኽ ዘይምእማን ደይ መደይ ኢልካ ነታ ሓቂ ንኸይትቕበል ዚግበር ምስምስ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ: ኣምላኽ የልቦን እዩ: ብትዕቢቱ ኸኣ: ኣይምርምርን እዩ: ይብል አሎ” በለ።—መዝሙር 10:4

5. እቶም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ዜመኻንይዎ ዚስእኑ ስለምንታይ እዮም፧

5 ኣምላኽ ከም ዘሎ ዚሕብር ኣኺሉ ዚተርፍ መርትዖ ስለ ዘሎ: ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኪበሃል ከሎ: ብዘይ ገለ መርትዖ ኽትኣምኖ ማለት ኣይኰነን። (እብራውያን 11:1) ኣለን ሳንዴጅ ዚበሃል ተመራማሪ ስነ-ኰዀብ: “ከምዚ ዝኣመሰለ [ኣብ ዩኒቨርስ ዚርከብ] ስርዓት ብሃውሪ ኺመጽእ ዘይከውን እዩ። ስርዓት ዜትሓዞ ኣካል ኺህሉ ኣለዎ። ንዓይ ኣምላኽ ምስጢር እኳ እንተዀነ: ነቲ ተኣምር ዝዀነ ህላወ ኻበይ ከም ዝመጸ: ማለት ነገራት ኪህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ ንዚብል ሕቶ መልሲ ዚዀነኒ ግን ንሱ ጥራይ እዩ” በለ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ኣምላኽ “[እቶም ዘይኣመንቲ] ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ: እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” በሎም። (ሮሜ 1:20) ካብ “ፍጥረት ዓለም” ኣትሒዙ: ብፍላይ ከኣ ካብ ፍጥረት እቶም ኣምላኽ ከም ዘሎ ኼስተውዕሉ ዚኽእሉ ሰባት ኣትሒዙ: ኪምለኽ ዚግብኦ ዓብዪ ሓይሊ ዘለዎ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንጹር ኰይኑ እዩ። ስለዚ: እቶም ንኽብሪ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይህቡ: ዜመኻንይዎ ስኢኖም እዮም። ፍጥረት ግን እንታይ መርትዖ እዩ ዚህብ፧

ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንቱ

6, 7. (ሀ) ሰማያት ክብሪ የሆዋ ዜዘንቱ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሰማያት “ገመዶም” ዚወጽእ ንምንታይ ዕላማ እዩ፧

6 መዝሙር 19:1 “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ብምባል መልሲ ትህበና። እቲ ን“ጠፈር” ወይ ሃዋሁ ሰንጢቑ ዚመጽእ ብርሃን ከዋኽብትን ፕላነታትን: ብዛዕባ ህላወ እቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ ኣምላኽ ዘየማትእ መርትዖ ኸም ዚኸውን ዳዊት ኣስተውዓለ። ኣስዕብ ኣቢሉ “ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ: ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ” በለ። (መዝሙር 19:2) ሰማያት መዓልቲ ዀነ ለይቲ ብዘይምቍራጽ ነቲ ጥበብ ኣምላኽን ንኺፈጥር ዘለዎ ሓይሉን እዩ ዜርኢ። ብኻልእ ኣዘራርባ ልክዕ ውዳሰ ኣምላኽ ‘የዛኒ’ ወይ ‘የዘንቱ’ ኸም ዘሎ እዩ። (ትርጕም 1990)

7 ነዚ ምስክርነት እዚ ንምስማዕ ግን ምስትውዓል ኪህልወካ የድሊ። “ዘረባ የልቦን: ምዝርራብ የልቦን: ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ።” ይኹን እምበር: እቲ ሰማያት ብዘይ ድምጺ ዚህብዎ ምስክርነት ሓያል እዩ። “ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ: ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ አሎ።” (መዝሙር 19:3, 4) እቲ ብዘይ ድምጺ ዚህብዎ ምስክርነት ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ምድሪ ኸም ዚበጽሕ ንምርግጋጽ ኢሎም “ገመዶም” ወይ መለክዒኦም ከም ዜውጽኡ ዀይኖም እዮም ተጠቒሶም ዘለዉ።

8, 9. ብዛዕባ ጸሓይ እንታይ ዜደንቕ ሓቅታት እዩ ዘሎ፧

8 ዳዊት ኣስዕብ ኣቢሉ ኻልእ ዜደንቕ ፍጥረት የሆዋ ገለጸ:- “ንጸሓይ ከኣ [ኣብቲ ዚርአ ሰማያት] ድንኳን ተኸለ[ላ]። ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ትወጽእ: ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ አላ። ምውጽኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ: ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ: ካብ ረስና ዚኽወል ከኣ የልቦን።”—መዝሙር 19:4-6

9 ጸሓይ ምስ ካልኦት ከዋኽብቲ ኽትወዳደር ከላ ማእከላይ ግዝፊ እዩ ዘለዋ። እንተዀነ ግን: እተደንቕ ኰዀብ እያ። እተን ኣብ ዙርያኣ ዚዞራ ፕላነታት ምስኣ ኺወዳደራ ኸለዋ ደቀቕቲ መሲለን እየን ዚረኣያ። ሓደ ምንጪ ክብደት ጸሓይ “2 ቢልዮን ግዜ ቢልዮን ግዜ ቢልዮን ቶን” ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ካብ ክብደት ስርዓተ-ጸሓይ 99.9 ሚእታዊት እዩ! እቲ ስሕበታ ንምድሪ ኻብኣ ኸይረሓቐት ወይ ናብኣ ኸይቀረበት ኣብ 150 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ርሕቀት ንኽትዘውር የኽእላ። ካብቲ ጸሓይ እተመንጭዎ ሓይሊ: ሓደ ኻብ ክልተ ቢልዮን እዩ ኣብ ምድርና ዚበጽሕ። እንተዀነ ግን: እዚ ብህይወት ንኽንቅጽል እኹል እዩ።

10. (ሀ) ጸሓይ ናብ ‘ድንኳና’ እትኣቱን ካብኡ እትወጽእን ብኸመይ እያ፧ (ለ) ከም “ጅግና” እትጐዪ ብኸመይ እያ፧

10 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንጸሓይ ኣብ መዓልቲ ኻብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ድሕሪ ምጕያዩ: ለይቲ ኣብ “ድንኳን” ከም ዚአቱ “ጅግና” ገይሩ ብምግላጽ ብምሳልያዊ መገዲ ተዛሪቡላ ኣሎ። እዛ ሓያል ኰዀብ ምስ ዓረበት: ኣብ ምድሪ ዄንካ ኽትዕዘባ ኸለኻ ንኸተዕርፍ ኢላ ኣብ “ድንኳን” ከም ዝኣተወት እዩ ዚመስል። ንግሆ ኸኣ ብብርቱዕ ብርሃን “ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኙ ትወጽእ።” ዳዊት ጓሳ ስለ ዝነበረ: ብርቱዕ ቍሪ ለይቲ ኸመይ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 31:40) እቲ ብርሃን ጸሓይ ንዕኡን ነቲ መሬትን ከመይ ገይሩ ቐልጢፉ ኸም ዜሙቖ ይዝክሮ እዩ። ስለዚ ኸኣ: ጸሓይ ኣብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ እትገብሮ “ጕዕዞ” ዘይትደክም ብምዃና: ከም “ጅግና” ነቲ ጕዕዞ ንኽትደግም ድልውቲ እያ።

እቲ ዜደንቕ ከዋኽብትን ጋላክስታትን

11, 12. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ንኸዋኽብቲ ምስ ሑጻ ምምስሳሉ ስለምንታይ እዩ ዜደንቕ ዚኸውን፧ (ለ) ዩኒቨርስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ስፍሓቱ፧

11 ዳዊት ብዘይ ቴለስኮፕ ሒደት ኣሽሓት ከዋኽብቲ ጥራይ እዩ ኺርኢ ዚኽእል ነይሩ። ይኹን እምበር: ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርከብ ብዘመናዊ ቴለስኮፕ ኪርአ ዚከኣል ከዋኽብቲ ብዝሑ 70 ሰክስቲልዮን: ማለት ድሕሪ ሸውዓተ 22 ዜሮ ብምጽሓፍ ዚርከብ ኣሃዝ ይበጽሕ። የሆዋ ንኸዋኽብቲ ምስቲ “ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ” ብምትእስሳር ኪዛረበሎም ከሎ: ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ሓቢሩ እዩ።—ዘፍጥረት 22:17

12 ተመራመርቲ ስነ-ኰዀብ ነቲ “ደባንን ዘይንጹርን ዝዀነ ንኣሽቱ ብርሃናት ዘለዎ ኸባቢ” ንሓያሎ ዓመታት ኪዕዘብዎ ጸኒሖም እዮም። ሊቃውንቲ እዚ ደባን ብርሃናት ተባሂሉ ዘሎ “ጥውይዋይ ነቡላ” እዚ: ኣብ ውሽጢ ጸባዊ መገዲ ተባሂሉ ዚፍለጥ ጋላክስና ዚርከብ እዩ ዚመስሎም ነይሩ። ብ1924 ግን ነቲ ኣንድሮመዳ ዚበሃል ዝቐረበ ነቡላ ንምብጻሕ እኳ: ብርሃን ኣብ ህዋ ብዚጐዓዘሉ ፍጥነት ንኽልተ ሚልዮን ዓመት ክትጐዓዝ ከም ዜድሊ ተፈልጠ! ሕጂ ሊቃውንቲ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ጋላክስታት ከም ዘለዉ: ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኣሽሓት: አረ ሓድሓደ ግዜ ቢልዮናት ከዋኽብቲ ኸም ዝሓዙ እዮም ዚግምቱ። የሆዋ ግን “ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር: ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም።”—መዝሙር 147:4

13. (ሀ) ብዛዕባ እኩባት ከዋኽብቲ እንታይ ዜደንቕ ነገር ምገለጽካ፧ (ለ) ሊቃውንቲ “ንሕጋጋት ሰማይ” ከም ዘይፈልጥዎ ንጹር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 የሆዋ ንእዮብ “ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ: ንኦርዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከአለካ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። (እዮብ 38:31) እዚ ወትሩ ዘይፈላለ ዚመስል እኩባት ከዋኽብቲ: ካብ ንሓድሕዱ ብዙሕ ተረሓሒቑ ዚርከብ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ካብ ምድሪ ኽትርእዮ ኸለኻ ግን ኣብ ሓደ ቦታ ዘሎ እዩ ዚመስል። ብልክዕ እተቐመጠ ስለ ዝዀነ: “ነቲ ጠፈርተኛታት ኣብ ጠፈር ዚገብርዎ ጕዕዞ ኸምኡውን ነቶም ኰዀብ ዜለልዩ ሓጋዚ እዩ።” (ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና) እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ነዚ እኩባት ከዋኽብቲ ሒዝዎ ዘሎ “ማእሰር” ኣይርድኦን እዩ። እወ: ሊቃውንቲ ነቲ ኣብ እዮብ 38:33 ቀሪቡ ዘሎ “ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ፧” ዚብል ሕቶ ኺምልስዎ ኣይክእሉን እዮም።

14. ብርሃን ዚዝርግሓሉ መገዲ ምስጢር ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

14 ሊቃውንቲ ነቲ ንእዮብ ዝቐረበሉ “እታ ብርሃን ዚምቀለላ . . . መገድስ ኣየነይቲ እያ፧” ንእትብል ሕቶ እውን መልሲ የብሎምን። (እዮብ 38:24) ሓደ ጸሓፊ ነዛ ብዛዕባ ብርሃን እትምልከት ሕቶ እዚኣ “ናይዚ ግዜና ዓማቝ ስነ-ፍልጠታዊት ሕቶ” በላ። ብኣንጻሩ ግን: ገለ ናይ ግሪኽ ፈላስፋታት ካብ ዓይኒ ወድሰብ ብርሃን ከም ዚምንጭ ይኣምኑ ነበሩ። ሊቃውንቲ ቕድሚ እተወሰነ እዋን: ብርሃን ንኣሽቱ ንጥረ ነገራት ከም ዝሓዘ ኺሓስቡ ጀመሩ። ገሊኣቶም ከኣ ከም ማዕበል ኰይኑ ኸም ዚጐዓዝ ይኣምኑ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና ብርሃን ከም ማዕበልን ከም ንጥረ ነገርን ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ገና ግን: ባህሪ ብርሃን ኰነ ብኸመይ ከም ‘ዚምቀል’ ወይ ብኸመይ ከም ዚዝርጋሕ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ኣይከኣሉን።

15. ብዛዕባ ሰማያት ከነስተንትን ከለና: ልክዕ ከም ዳዊት ከመይ እዩ ኪስምዓና ዘለዎ፧

15 ሓደ ሰብ ነዚ ዅሉ ኸስተንትነሉ ኸሎ: ከምቲ “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ: እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” ዝበለ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት እዩ ዚስምዖ።—መዝሙር 8:3, 4

ምድርን ኣብኣ ዘሎ ፍጥረታትን ንየሆዋ ኽብሪ ይህብ

16, 17. ኣብ “መዓሙቝ” ማያት ዚርከብ ፍጥረታት ንየሆዋ ዚውድሶ ብኸመይ እዩ፧

16 መበል 148 መዝሙር ፍጥረት ክብሪ ኣምላኽ ዜዘንትወሉ ኻልእ መገድታት እውን ትዝርዝር እያ። ቍጽሪ 7 “ንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ: ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቝን ኵሉኹም” ትብል። እወ: “መዓሙቝ” ማያት ንጥበብን ሓይልን የሆዋ ዜጕልሕ መስተንክር ነገራት ዝመልኦ እዩ። እቲ ብሉ ዌል ዚበሃል ዓይነት ዓሳ ኣንበሪ ብገምጋም 120 ቶን: ማለት ክንዲ 30 ሓርማዝ ይምዘን! ልቡ ጥራይ እኳ ልዕሊ 450 ኪሎ ግራም ኪምዘን ከሎ: 6,400 ኪሎ ግራም ደም ኣብ መላእ ኣካላቱ ይጭንጕዕ። እዞም ዓበይቲ ገበላት ባሕሪ ተባሂሎም ዘለዉ ኣብ ማያት ኪጐዓዙ ኸለዉ ድስኩላትን ጐታታትን ድዮም፧ ኣይፋልን። ሓደ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እንስሳታት ከይቅተሉ ዚጣበቕ “ኢሮፒያን ስቴሽን ባይካች ካምፔን” ዚበሃል ትካል: ብዜደንቕ ፍጥነት “ኣብ ውቅያኖሳት ይውንጨፉ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ። ብሳተላይት እተገብረ ኽትትል ከም ዚሕብሮ “ሓደ እንስሳ ኣብ ውሽጢ 10 ወርሒ ልዕሊ 16,000 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ።”

17 እቲ ጥርሙዝ ዚመስል ኣፍንጫ ዘለዎ ኣባ ሰላማ ወይ ዶልፊን 45 ሜትሮ ዚኣክል ዕምቈት ኪኣቱ ዚኽእል እኳ እንተዀነ: ኣብ 547 ሜትሮ ዚኣክል ዕምቈት ግን ተራእዩ እዩ! እዚ መጥበዊ ዓሳ እዚ ኽሳዕ ክንድዚ ዕምቈት ኣትዩ ብህይወት ኪቕጽል ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ናብ ውሽጢ ኺኣቱ ኸሎ ህርመት ልቡ ይንኪ እሞ ደሙ ናብ ልቡን ሰናቡኡን ኣእምሮኡን ይኣቱ። ጭዋዳታቱ እውን ኦክስጅን ዚኽዝን ከሚካል ዝሓዘ እዩ። ኤለፋንት ሲል ዚበሃል ዓይነት እንስሳ ባሕርን ስፐርም ዌል ዚበሃል ዓይነት ዓሳ ኣንበሪን ከኣ ናብ ዝወሸጠ ዕምቈት ኪኣትዉ ይኽእሉ እዮም። መጽሔት ዲስካቨር “ኣብ ክንዲ ነቲ ጸቕጢ ዚቃለስዎ: ነቲ ሰናቡኦም ምሉእ ብምሉእ ንኺጭብጦ እዮም ዚሓድግዎ” በለ። መብዛሕትኡ ዜድልዮም ኦክስጅን ኣብ ጭዋዳታቶም እዮም ዚኽዝንዎ። እዞም ፍጥረታት እዚኣቶም ንጥበብ እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ዘለዎ ኣምላኽ ህያው ምስክር እዮም!

18. ማያት ባሕሪ ንጥበብ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዜርኢ፧

18 ማያት ባሕሪ እውን ከይተረፈ ንጥበብ የሆዋ የንጸባርቕ እዩ። ሳይንቲፊክ ኣመሪካን እትበሃል መጽሔት “ኣብቲ ኻብ ላዕሊ ኽሳዕ 100 ሜትሮ ዕምቈት ዚርከብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ውቅያኖስ ዚርከብ ነጥቢ ማይ: ፋይቶፕላንክተን ዚበሃል በሽሓት ዚቝጸር ብማይክሮስኮፕ ዚርአ ኣትክልቲ ጸምበለል ኪብል ይርከብ” በለት። እዚ “ዘይርአ ዱር” እዚ ብቢልዮናት ቶናት ዚምዘን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብምስሓብ ንኣየርና የጽርዮ። ፋይቶፕላንክተን ልዕሊ ፍርቂ እቲ እነስተንፍሶ ኣየር ይህበና።

19. ሓውን በረድን ፍቓድ የሆዋ ዚፍጽም ብኸመይ እዩ፧

19 መዝሙር 148:8 “ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን” ትብል። እወ: የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ነቲ ግኡዝ ሓይልታት ተፈጥሮ እውን ይጥቀም እዩ። ንኣብነት: ሓዊ እስከ ንውሰድ። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ዱር ዚለዓል ሓዊ ኸም መዕነዊ ጌርካ ጥራይ እዩ ዚርአ ነይሩ። ሕጂ ግን ሓዊ ንዝኣረገ ወይ ንዝሞተ ኣእዋም ብምውጋድ: ብዙሕ ኣዝርእቲ ንኺበቍል ብምሕጋዝ: ማዕድናት ዑደቱ ኸም ዚቕጽል ብምግባር: ከምኡውን ዝገደደ ባርዕ ንኸይለዓል ብምንካይ ኣብ ኣከባቢ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዜበርክት ተመራመርቲ ይኣምኑ። በረድ እውን ንመሬት ስለ ዜስትያን ስለ ዚድኵዓን: ወሓይዝ ስለ ዚመልእ: ከምኡውን ንኣትክልትን እንስሳታትን ኣመና ንኸይቈሩ ስለ ዚከላኸል ኣገዳሲ እዩ።

20. ኣኽራንን ኣእዋምን ንደቅሰብ ዚጠቕሞም ብኸመይ እዩ፧

20 መዝሙር 148:9 ኸኣ “ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵሉኹም: ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵሉኹም” ትብል። ዓበይቲ ኣኽራን ነቲ ዓብዪ ሓይሊ የሆዋ ምስክርነት እዩ ዚኸውን። (መዝሙር 65:6) እንተዀነ ግን: ንኻልእ ዕላማ እውን የገልግል እዩ። ኣብ በርን: ስዊዘርላንድ: ዚርከብ ትካል ጂኦግራፊ ዜውጽኦ ጸብጻብ: “ኵሉ ዓበይቲ ወሓይዝ ዓለም ካብ ኣኽራን እዩ ዚምንጭ። ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ዚሰትዮ ጽሩይ ማይ ካብ ኣኽራን እዩ ዚረክብ። . . . እዚ ‘ግምቢ ማይ’ እዚ ንደቅሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ይብል። ዝዀነ ይኹን ኦም እውን እንተዀነ ንሰራሒኡ ኽብሪ እዩ ዜምጽእ። ኣከባብያዊ ፕሮግራም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዜውጽኦ ጸብጻብ: ኣእዋም “ንህላወ ኣብ ኵለን ሃገራት ዚርከቡ ሰባት ኣገዳሲ እዩ። . . . ሓያሎ ዓይነት ኣእዋም ከም ዕንጨይቲ: ፍረታት: ካዕካዕ: ዕንዲዳ ዝኣመሰሉ ፍርያት ዚርከበሉ ብምዃኑ ቐንዲ ቝጠባዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ መላእ ዓለም 2 ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ምግቦም ንምኽሻንን ንነዳድን: ዕንጨይቲ እዮም ዚጥቀሙ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

21. ሓንቲ ተራ ቘጽሊ ነዳፊ ኸም ዘለዋ ዜርኢ መርትዖ ሃብ።

21 ፈጣሪ ጥበበኛ ምዃኑ ኣብቲ ኦም እተነድፈሉ መገዲ እውን ኪርአ ይከኣል እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ቘጽሊ እስከ ንውሰድ። ደጋዊ ኽፋል እታ ቘጽሊ ኸም ስምዒ ዝኣመሰለ ነገር ዘለዋ ብምዃና ንኸይትነቅጽ ይሕግዛ። ብትሕቲኡውን ክሎሮፕላስት ዚበሃል ዋህዮታት ተሰሪዑ ኣሎ። እዚ ዋህዮታት እዚ ሓይሊ ብርሃን ዚጥቀም ክሎሮፊል ዚበሃል ነገር ኣለዎ። ኣቝጽልቲ ጽማረ-ብርሃን ወይ ፎቶሲንተሲስ ብዚበሃል መስርሕ ኣቢሉ ድማ ልክዕ ከም “ፋብሪካ ምግቢ” ዀይኑ ምግቢ የፍሪ። ማይ ብሰራውር ኣቢሉ ይስሓብ እሞ በቲ ኸም “መስመራት ቡምባ” ዝኣመሰለ እተሓላለኸ ኽፍልታት ሓሊፉ ናብ ኣቝጽልቲ ይበጽሕ። በሽሓት ዚቝጸር ብታሕተዋይ ሸነኽ እቲ ቘጽሊ ዚርከብ ንኣሽቱ “መፈንቶ” (ስቶማታ ይበሃል) ክፍት ዕጽው እናበለ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ይስሕብ። ካብቲ ኻብ ብርሃን ዚርከብ ሓይሊ ድማ ነቲ ማይን ካርቦን ዳይኦክሳይድን ብምጽማር ካርቦሃይድሬት የፍሪ። ድሕርዚ እቲ ተኽሊ ነቲ ባዕሉ ዝሰርሖ ምግቢ ይምገብ። ይኹን እምበር: እዚ “ፋብሪካ” እዚ ድምጺ ዘይብሉን ምልኩዕን እዩ። ኣብ ክንዲ ንኣከባቢ ዚብክል ከኣ: ከም ተረፍ ፍርያት ኦክስጅን እዩ ዜውጽእ!

22, 23. (ሀ) ገለ ኣዕዋፍን እንስሳታት ምድርን እንታይ ዜደንቕ ክእለት እዩ ዘለዎም፧ (ለ) እንታይ ንእትብል ሕቶ ኢና ኽንምርምራ ዘሎና፧

22 መዝሙር 148:10 “ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍን” ትብል። ብዙሓት ኣብ ምድሪ ዚርከቡ እንስሳታትን ነፈርቲ ኣዕዋፍን ዜደንቕ ክእለት ኣለዎም። ኣልባጥሮስ ላይሳን እትበሃል ዑፍ ነዊሕ ርሕቀት ክትነፍር ትኽእል እያ (ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲ 40,000 ኪሎ ሜተር ነፊራ)። ብላክፑል ዋልብለር እትበሃል ዑፍ ልዕሊ 80 ሰዓት ብዘይምቍራጽ ብምንፋር ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ኣመሪካ ትጐዓዝ እያ። ገመል ከምቲ ብዙሓት ዚሓስብዎ ኣብ መንጕዳኣ ዘይኰነስ ኣብ ከብዳ እያ ማይ እትዓቍር: ማይ ከየድለያ ከኣ ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ትኽእል። እምበኣር: መሃንድሳት ማሽናትን ሓድሽ ኣቓሑን ኪነድፉ ኸለዉ: ንእንስሳታት ተጠንቂቖም እንተ መርመሩ ዜገርም ኣይኰነን። ገይል ክሊር ዝስማ ጸሓፊት “ጽቡቕ ዚዓዪን . . . ንኣከባቢ ዘይጐድእን ነገር ክትሰርሕ እንተ ደሊኻ: ጽቡቕ ኣብነት ዚዀነካ ተፈጥሮኣዊ ነገር ክትረክብ ሰፊሕ ዕድል ኣሎካ” በለት።

23 እወ: ፍጥረት ብሓቂ ኽብሪ የሆዋ የዘንቱ! ካብቲ ኸዋኽብቲ ዝመልኦ ሰማያት ክሳዕ እቲ ኣትክልትን እንስሳታትን: ነፍሲ ወከፉ በብመገዱ ንፈጣሪኡ ውዳሰ የምጽእ። ደቅሰብ ዘበልና ደኣኸ ምስ ተፈጥሮ ሓቢርና ንኣምላኽ መዝሙር ውዳሰ ኽንዝምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ትዝክሮዶ፧

• እቶም ኣምላኽ የልቦን ዚብሉ ዜመኻንይዎ ዚስእኑ ስለምንታይ እዮም፧

• ከዋኽብትን ፕላነታትን ንኣምላኽ ክብሪ ዚህቦ ብኸመይ እዩ፧

• ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ዚርከቡ እንስሳታት ብኸመይ እዮም ፈቃር ፈጣሪ ኸም ዘሎ መርትዖ ዚህቡ፧

• ግኡዝ ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ፍቓድ የሆዋ ዚፍጽም ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሊቃውንቲ ብዝሒ እቲ ኺርአ ዚከኣል ከዋኽብቲ 70 ሰክስቲልዮን ኣቢሉ ከም ዚኸውን እዮም ዚግምቱ!

[ምንጪ ስእሊ]

Frank Zullo

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ጥርሙዝ ዚመስል ኣፍንጫ ዘለዎ ኣባ ሰላማ

[ምንጪ ስእሊ]

snowcrystals.net

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሓቒቕ ውርጪ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ጫቚት ኣልባጥሮስ ላይሳን