ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍሉይ ምልክታ

ፍሉይ ምልክታ

ፍሉይ ምልክታ

 ኣብ መደምደምታ ናይቲ ብ7 ጥቅምቲ 2000 እተገብረ ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ: እቲ ኣቦ መንበር ናይቲ ፕሮግራም ዝነበረ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ጆን ኢ. ባር ፍሉይ ምልክታ ነገረ። ሽዑ ቴዶር ጃራዝን ዳንየል ሲድሊክን ኣብቲ ምልክታ ተመርኲሶም ዝርርባት ሃቡ።​—⁠ገጽ 12-16 ከምኡውን ገጽ 28-31 ናይዛ መጽሔት እዚኣ ርአ።

ሓው ባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ብምጥቃስ ከምዚ በለ:- “እቲ ‘እሙን ኣስተውዓሊ ባርያን’ ኣመሓዳሪ ኣካሉን ነዘን ሕጋውያን ትካላት ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ዝዓብን ዝሰፍሕን ሓላፍነት ኢዩ ተዋሂብዎ። እተን ሕጋውያን ትካላት ኣብቲ ቻርተራተን ሰፊሩ ብዘሎ ዕላማታት ኢየን ዝቕየዳ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ግን ነቲ ክፍሊ እሙን ባርያ ኣብ ኵሉ ‘ገንዘቡ’ ወይ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝግበር ዘሎ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ሸይምዎ።”​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45-47

ብዛዕባ ትካል ፐንሲልቫንያ ሓው ባር ከምዚ ብምባል ቀጸለ:- “ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ካብቲ ብ1884 እተመስረተትሉ ግዜ ኣትሒዛ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣገዳሲ ግደ ፈጺማ ኢያ። ይኹን እምበር: እዛ ትካል እዚኣ እቲ ‘እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ’ ከድልዮ ኸሎ ዝጥቀመላ ሕጋዊት መሳርሒ ጥራይ ኢያ።”

ኣብቲ ሓው ሲድሊክን ጃራዝን ዘቕረብዎ ዝርርብ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ገንዘብ ጐይታ እተሾመ ምዃኑ: ካብቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ብቑዓት ሰብኡት መሪጹ ኣብ እተፈላለየ ልሙድ ኣሰራርሓ ዘለዎ ምምሕዳራዊ ሓላፍነታት ንኸገልግሉ ካብ ምፍቃድ ከም ዘይክልክሎ ገለጹ። (ዮሃንስ 10:⁠16) ኵሎም ወይ ገለ ዳይረክተራት ናይተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጥቀሙለን ሕጋውያን ትካላት ቅቡኣት ክር​ስትያናት ጥራይ ክዀኑ ከም ዘለዎም ዘገድድ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት እውን የለን።

ሓው ባር ኣብዚ ቐረባ እዋን ዳይረክተራትን ሓለፍትን ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ገለ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብ ኵለን እተን ቦርድ ዳይክተራት ኰይኖም ዝዓዩለን ዝነበሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከባ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝጥቀመለን ትካላት ብፍቓዶም ከም እተሰናበቱ ነቶም ተኣከብቲ ገለጸሎም። ስለዚ ኸኣ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ እሙናት ኣሕዋት ነቲ ቦታ ክትክእዎ ተመሪጾም ኣለዉ።

እዚ ውሳነ እዚ ብርግጽ ጠቓሚ ኢዩ። እቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል መንፈሳዊ መግቢ ንምድላውን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋት ዘድልዮም መንፈሳዊ ነገራት ንምሕላይን ዝያዳ ግዜ ክህልዎም ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ: እቲ ኣቦ መንበር ነቶም ተሓጒሶም ዝነበሩ ተኣከብቲ ከምዚ በሎም:- “ተመክሮ ዘለዎም ተዓዘብቲ እተፈላለየ ሕጋውን ምምሕዳራውን ዕዮታት ክፍጽሙ እኳ እንተ ተመዘዙ: . . . ኵሎም ግን ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ መሪሕነት ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ኢዮም። . . . የሆዋ ነቲ ብሓባር ኴንና ፍቓዱ ንምፍጻም ማለት ነቲ ዓቢ ስሙ ክብሪ ንምሃብ እንገብሮ ዘሎና ጻዕሪ ንኽባርኾ ኵላትና ብጸሎት ናብኡ ንወከል።”