ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስጢር እታ ምልክዕቲ ጽምብላሊዕ ተፈሊጡ

ምስጢር እታ ምልክዕቲ ጽምብላሊዕ ተፈሊጡ

ኤውሮጳውያን ተዓዘብቲ ነታ ብልምዲ “ስልምቲ ወይዘሮ” ኢሎም ዚጽውዕዋ ምልክዕቲ ጽምብላሊዕ (ቫኒሳ ካርዱይ)፡ ኣዝዮም እዮም ዜድንቕዋ፣ ምዉቕ ወቕቲ ኣብ ዚዛዘመሉ እዋን ናበይ ከም እትጠፍእ ድማ የተሓሳስቦም ነይሩ። ቈራሪ ወቕቲ ኺጅምር ከሎ ስለ እትመውት ድያ ዘይትርአ፧ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ምርምር፡ እታ ጽምብላሊዕ በብዓመቱ ኻብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ኸም እትጓዓዝ ዚሕብር ዜደንቕ ጸብጻብ ሒዙ ወጺኡ እዩ።

እቲ ተመራመርቲ ብኣዝዩ ዝማዕበለ ራዳር ተጠቒሞምን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዚርከቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት ተዓዘብቲ ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ ተመርኲሶምን ዝረኸብዎ ውጽኢት ከም ዚሕብሮ፡ ምዉቕ ወቕቲ ኣብ ዚዛዘመሉ እዋን፡ ብሚልዮናት ዚቝጸራ ምልኩዓት ጽምብላሊዕ ናብ ደቡብ ገጸን ይጓዓዛ እየን፣ ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ 500 ሜተር ብራኸ ዀይነን ስለ ዚጓዓዛ፡ ሰብ ኣይርእየንን እዩ። እተን ጽምብላሊዕ ምሹው ንፋስ ክሳዕ ዚመጽእ ተጸብየን፡ ኣብ ሰዓት 45 ኪሎ ሜተር እናተጓዓዛ ናብ ኣፍሪቃ ገጸን ይኸዳ። እተን ጽምብላሊዕ በብዓመቱ፡ ካብቲ ኣብ ሰሜን ዚርከብ ጫፍ ኣርክቲክ ጀሚረን ክሳብ ትሮፒካዊ ኽፋል ምዕራብ ኣፍሪቃ ን15,000 ኪሎ ሜተር ይጓዓዛ እየን። እዚ ኸኣ ካብቲ ሞናርክ እትብሃል ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ጽምብላሊዕ እትገብሮ ጕዕዞ ዳርጋ ብዕጽፊ ይዛይድ። እተን ጽምብላሊዕ ኣብቲ ዚኸዳሉ ቦታ በጺሐን ክሳዕ ዚምለሳ፡ ሽዱሽተ ተኸታታሊ ወለዶ ይሓልፍ።

ኣብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ዮርክ እትሰርሕ ፕሮፌሰር ጀይን ሂል፡ “እታ ምልክዕቲ ጽምብላሊዕ፡ ኣብ መገዲ እናተራብሐት ጕዕዞኣ ትቕጽል” በለት። በብዓመቱ፡ ዕስለ ጽምብላሊዕ ካብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ብምኻድ፡ እንደገና ይምለሳ።

ኣብ ዕቀባ ጽምብላሊዕ ከም ኣካያዲ መጽናዕቲ ዀይኑ ዚዓዪ ሪቻርድ ፎክስ፡ ከምዚ በለ፦ “እዛ ትሕቲ ሓደ ግራም ዝኽብደታ ንእሽቶ ፍጥረት እዚኣ፡ ክንዲ ርእሲ መርፍእ ዚኸውን ሓንጎል ጥራይ ዘለዋን ካብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ዓበይትን ምኩራትን ወለዶ ንኽትምሃር ኣጋጣሚ ዘይብላን ክነሳ፡ ኣዝዩ ብዜደንቕ መገዲ ኻብ ሓደ ኽፍለ ዓለም ናብ ካልእ ክትጓዓዝ ትኽእል እያ።” ፎክስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ እዛ ጽምብላሊዕ እዚኣ፡ “ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ እዋናት፡ ብሃውርን ብንፋስ እናተደፍአትን እትጓዓዝ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዜጋጥማ ቘራሪ ወቕቲ ድማ እትመውት እዩ ዚመስለና ነይሩ” በለ። ኰይኑ ግና፡ እቲ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ “እታ ምልክዕቲ ጽምብላሊዕ እትጓዓዘሉ መገዲ፡ ኣዝዩ እተራቐቐ እዩ።”