ንቕሑ! ሓምለ 2013 | መንግስቲ ኣምላኽ ንጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሖ እያ

በዛ ሕታም እዚኣ ኣቢልካ፡ ተቓውሞ እናበዝሐ ዚኸይድ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑን መፍትሒ ኺርከብ ዚኽእል ካበይ ምዃኑን ፍለጥ።

ካብ ከባቢ ዓለም

ዛዕባታት፦ ምስ ስራሕ ተተሓሒዙ ኣብ ዚግበር ቃለ መጠይቕ ዜጋጥም ኣድልዎን ኣብ ኣውስትራልያ ንዚርከባ ኩባንያታት ትንባኾ ዚምልከት ሓድሽ ሕግን።

ንስድራ ቤት

ንዚቝጣዕ ውሉድ ብኸመይ ከም እትሕዞ

ውሉድካ ኪቝጣዕ ከሎ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ኣጸጋሚ ዅነታት እዚ ንኽትሰግሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ገበር

መንግስቲ ኣምላኽ ንጸገማት ደቂ ሰብ ክትፈትሖ እያ

ተቓውሞ ሓያል ጽልዋ ብምሕዳር ለውጢ ኸም ዚመጽእ ኪገብር ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንዘይፍትሓዊ ተግባራትን ንብልሽውናን ንጭቈናን መፍትሒኡ ንሱ ድዩ፧

ገበር

ኣብ ዝኸድክዎ ዘበለ፡ ምጕዳል ፍትሒ ነበረ

ሓደ ወዲ ሰሜናዊ ኣይርላንድ ዝዀነ መንእሰይ፡ ብዛዕባ ምንጪ ናይ ሓቂ ፍትሒ ዝነበሮ ኣረኣእያ ዝቐየረ ስለምንታይ እዩ፧

እታ ሳሕቲ እትርአ ሳንድ ካት

ብዛዕባ ሳንድ ካት ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ብዛዕባ እዛ ድሙ እዚኣን ስለምንታይ ሳሕቲ ጥራይ ከም እትርአን ፍለጥ።

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ኣዘርባጃን እተገብረ ምብጻሕ

ደቂ ኣዘርባጃን ፍሽሑዋትን ተቐረብትን እዮም። ብዛዕባ ሃገሮምን ባህሎምን ብዝያዳ ፍለጥ።

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መንግስቲ ኣምላኽ

ገሊኦም ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ኣመንቲ ኸም ዘላ ወይ ከኣ ብጻዕሪ ደቂ ሰብ ከም እትመጽእ ይኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚብል፧

ተነዲፉ ድዩ፧

እቲ ብቐሊሉ ዘይጕዳእ ሓንጎል ምጹጹላይ ኣርክቲክ

እዚ ንእሽቶ እንስሳ እዚ፡ ሙቐት ሰብነቱ ኣዝዩ ኣብ ዚንክየሉ እዋን፡ ንቘራሪ ወቕቲ ተጸሚሙ ዚሓልፎ ብኸመይ እዩ፧