ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 4 2016 | መጽሓፍ ቅዱስ—ታሪኽ ዕቃበኡ

ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ኵሉ እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ነገራት ንዕኡ ዀነ ንመልእኽቱ ኼጥፍኦ ምኸኣለ ነይሩ። ዕቃበኡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገበር

ኣገዳሲ ታሪኽ

ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ንነዊሕ እዋን እምነት ብዙሓት ሰባት ዝቐረጸ ኻልእ መጽሓፍ የልቦን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪእመን ይከኣል ድዩ፧

ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምምሽማሽ ኣይጠፍአን

ጸሓፍትን ቀዳሕትን መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምዝጋብ ጳጲሮስን ብራናን ተጠቕሙ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጥንታዊ ጽሑፋት ክሳዕ ሎሚ ተዓቂቦም ኪጸንሑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ ብሰንኪ ምጽራር ኣይጠፍአን

ሓያሎ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ፡ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከይውንኑን ከየሕትሙን ከይትርጉሙን ኪኽልክልዎ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ዋላ ሓደ ኻባታቶም ኣይተዓወተን።

ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መልእኽቱ ንምጥዋይ ብእተገብረ ፈተነ ኣይጠፍአን

ገሊኦም ውልቀ ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጠውይዎ ፈተኑ። ጻዕርታቶም እተፈልጠን ዝፈሸለን ብኸመይ እዩ፧

ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕቀብ ዝኸኣለሉ ምኽንያት

ነዚ መጽሓፍ እዚ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ የሱስ ንድዉያት ዝሓዘሉ መገዲ ዘይልሙድ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ በየናይ ምኽንያታት እዮም ፍትሕ ዜፍቅዱ ነይሮም፧

ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ድያ፧

ገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ኣነባብራኦም ኪሓድግዎ ተሓጊዞም እዮም። እቲ ለውጢ ኺገብሩ ዝደረኾም፡ ንኻልኦት እውን ኪድርኾም ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ቅድሚ ምዕዋተይ ብዙሕ ግዜ ወደቕኩ

ሓደ ሰብኣይ ካብ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ኪላቐቕን ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪረክብን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ክትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ምንጽጻር

ክርስትያናት ተባሂለን ዚጽውዓ ብኣሽሓት ዚቝጸራ ጕጅለታት፡ ንሓድሕዱ ብዚጋጮ ሰረተ እምነታትን ብእተፈላለየ ኣመለኻኽታን እተኸፋፈላ እየን። እሞ ደኣ፡ እታ ሓቂ እትምህር ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንሰባት ናብኡ ኸም ዚቐርቡ ንምግባር ኣብ እምነት እተመስረተት ውድብ ይጥቀም ድዩ፧