ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ብምፍላጥካ፡ እንታይ ጥቕምታት ትረክብ፧

ንኣምላኽ ብምፍላጥካ፡ እንታይ ጥቕምታት ትረክብ፧

ኣብዘን ዝሓለፋ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ነታ ‘ኣምላኽ መን እዩ፧’ እትብል ሕቶ ምላሽ ረኺብናላ ኢና። ስሙ የሆዋ ምዃኑን ዓብላሊት ባህርዩ ፍቕሪ ምዃናን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ርኢና ኢና። ብዘይካዚ፡ ንጥቕሚ ሰብኣውያን ፍጡራቱ እንታይ ገይሩ ኸም ዘሎን ብሕጂ እንታይ ከም ዚገብርን ርኢና ኢና። ብዛዕባ ኣምላኽ ገና ብዙሕ እንምሃሮ ነገር እኳ እንተሎ፡ ከምኡ ምግባርና ንዓና እንታይ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ንሓስብ ንኸውን።

የሆዋ፡ “እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ” ምዃኑ ኣተስፍዩካ ኣሎ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ነቲ ንኣምላኽ እናፈለጥካዮ ምስ ከድካ እትረኽቦ ኽቡር ውህበት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፣ እወ፡ ‘ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት’ ኪህልወካ ይኽእል እዩ! (መዝሙር 25:14) ካብዚ ዕርክነት እዚ ግና እንታይ ጥቕምታት ትረክብ፧

ናይ ሓቂ ሓጐስ። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ናብኡ ምቕራብካን መገድታቱ ምስዓብካን ናይ ሓቂ ሓጐስ ኬምጽኣልካ እዩ፣ እዚ ድማ ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን ብኣካላውን መዳይ ኪጠቕመካ እዩ። (መዝሙር 33:12) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ካብ ጐዳኢ ኣነባብራ ስለ እትርሕቕን ንጥዕናኻ ዚጠቅም ልማዳት ስለ እተጥርን ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ስለ ዚህልወካን፡ ህይወትካ ብሓጐስ ኪምላእ እዩ። ሽዑ ድማ፡ ነቲ ሓደ ዘማሪ፡ “ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ክትሰማምዓሉ ኢኻ።—መዝሙር 73:28

ብሕታዊ ሓልዮትን ቈላሕታን። የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ “ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም እዩ። (መዝሙር 32:8) እዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብብሕቲ ቘላሕታ ይገብረሎም፡ ብውልቂ ዜድልዮም ነገር ከኣ ይሓልየሎም ማለት እዩ። (መዝሙር 139:1, 2) ሓንሳእ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምስ መስረትካ፡ ንሱ ወትሩ ኺድግፈካ እዩ።

ዜደንቕ መጻኢ። የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጂ ኣቕሪቡልካ ዘሎ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት፡ ዜደንቕ መጻኢ እውን ከፊቱልካ ኣሎ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ይብል እዩ። (ዮሃንስ 17:3) እታ ኣምላኽ ዚህበና ተስፋ ድማ፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ኸም መልህቕ ኰይና ስለ እተገልግለና፡ “ርግጽን ጽንዕትን” እያ።—እብራውያን 6:19

እዚ ዝረኣናዮ ምኽንያታት፡ ካብቲ ንኣምላኽ ብዝያዳ ኽንፈልጦን ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ከነማዕብልን ዚድርኸና ሓያሎ ምኽንያታት ሒደት ጥራይ እዩ። ተወሳኺ ሓጋዚ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከተዘራርቦ ወይ ናብ jw.org ክትኣቱ ነተባብዓካ።