ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ጥቅምቲ 2016

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 28 ሕዳር ክሳዕ 25 ታሕሳስ 2016 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ታሪኽ ህይወት

ካልኦት ዝሓደጉልና ሰናይ ኣብነት ከነንጸባርቕ ጽዒርና

ካብ ብሱላት ክርስትያናት ዚርከብ መተባብዒ፡ ጽቡቕ ሸቶታት ከተውጽእ ይሕግዝ እዩ። ቶማስ ማክለይን ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ዝሓደጉሉ ሰናይ ኣብነትን ንሱ እውን ብተራኡ ንኻልኦት ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዝጸዓረን ኣዘንትዩ ኣሎ።

“ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ”

ኣምላኽ ብዛዕባ ጓኖት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧ ካብ ካልእ ሃገር ንዝመጹ ሰባት ኣብ ጉባኤና ኸይጋየሹ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

ኣብ ቋንቋ ወጻኢ ኸተገልግል ከለኻ፡ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ሓሉ

ኵሎም ክርስትያናት ብቐዳምነት መንፈሳውነቶምን መንፈሳውነት ስድራ ቤቶምን ኪሕልዉ ኣለዎም። ኣብ ቋንቋ ወጻኢ እተገልግል እንተ ኣለኻ ግና፡ በይኑ ዓይነት ብድሆታት የጋጥመካ እዩ።

“ንግብራዊ ጥበብ” ትሕልዋ ዲኻ፧

ግብራዊ ጥበብ ካብ ፍልጠትን ምስትውዓልን እትፍለ ብኸመይ እያ፧ ነቲ ፍልልዩ ምፍላጥና ብሓቂ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብቲ ተስፋ እትገብረሉ ነገር ንዘላትካ እምነት ኣደልድላ

ካብ ኣብነት እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ዀኑ ሎሚ ዘለዉ ብሉጻት ኣብነታት እምነት ብዙሕ ክንጥቀም እንኽእል ኢና። ንእምነትካ ኸተደልድል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ

እምነት እንታይ እያ፧ እምነትካ ኸተርኢ እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧

ትፈልጥዶ፧

ሮሜ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሰበ ስጣን ኣይሁድ ክሳዕ ክንደይ እያ ናጽነት ሂባቶም ነይራ፧ ብግዜ ጥንቲ ሰባት ኣብ ግራት ሰብ ብሓቂዶ ኽርዳድ ይዘርኡ ነይሮም እዮም፧