ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ግንቦት 2019

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 1 ሓምለ ኽሳዕ 4 ነሓሰ 2019 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ፍቕርን ፍትሕን—ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ

ሕጊ ክርስቶስ እንታይ እዩ፧ ፍትሒ ዜተባብዕከ ብኸመይ እዩ፧

ፍቕርን ፍትሕን—እከይ ኬጋጥም ከሎ

ወለዲ ንደቆም ካብ ህስያ ብኸመይ ኬዕቍቡ ይኽእሉ፧ ሽማግለታት ንጉባኤ ንምሕላውከ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ንግዳያት ህስያ ነጸናንዓዮም

ቃል ኣምላኽን ሽማግለታትን ብሱላት ኣሓትን ንግዳያት ህስያ ብኸመይ ኬጸናንዑ ይኽእሉ፧

“ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ኣየዐሹኻ

የሆዋ በይኑ ምንጪ ዜተኣማምን መምርሒ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ናይ መጽናዕቲ ልማድካ ኣመሓይሽ!

ከመይ ጌርና ኢና ቐዳምነት ኽንህቦ ዚግባእ ነገራት ክንሰርዕን ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀምን እንኽእል፧