ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ነሓሰ 2017

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 25 መስከረም ክሳዕ 22 ጥቅምቲ 2017 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ብትዕግስቲ ኽትጽበ ፍቓደኛ ዲኻ፧

ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ፈተናታት ክሳዕ መዓስ ኪጻወርዎ ኸም ዘለዎም እኳ እንተ ሓተቱ፡ ኣምላኽ ግና ነዚ ሕቶ እዚ ብምሕታቶም ኣይወቐሶምን።

“እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ”

ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ እተፈላለየ ፈተናታት ኬጋጥመካ ስለምንታይ ከም ዚፈቅድ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ እሞኸ፡ ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ተኣማሚንካ ኽትጻወር ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ታሪኽ ህይወት

ፈተና ምጽዋር፡ በረኸት የምጽእ

ኣብ ሳይበርያ እተሓየሩ ሰባት፡ ኣባጊዕ ደልዮም ክነሶም ኣሓ እንተልየን ዚሓትቱ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ታሪኽ ህይወት ፓቨል ሲቩልስኪን ማሪያ ሲቩልስኪን ተገሊጹ ኣሎ።

ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና እንድርብዮ ብኸመይ ኢና፧

ነቲ ኣረጊት ስብእና ሓንሳእ ምቕንጣጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ኣረጊት ስብእና መሊስና ኸይንኽደኖ ኽንጥንቀቕ እውን ኣሎና። ክሳዕ ክንደይ ብሕማቕ ልማዳት እተወሓጥና ንኹን ብዘየገድስ፡ ነዚ ኽልቲኡ ኽንፍጽሞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሓድሽ ስብእና ለቢስና እንነብር ብኸመይ ኢና፧

ብሓገዝ የሆዋ፡ ከምቲ ንሱ ኽትኰኖ ዚደልየካ ዓይነት ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ርሕራሐን ለውሃትን ትሕትናን ልእመትን ከተርኢ እትኽእለሉ ግብራዊ መገድታት መርምር።

ፍቕሪ—ኣገዳሲት ባህርይ

ፍቕሪ ሳላ መንፈስ የሆዋ እትርከብ ባህርይ ምዃና ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ። ፍቕሪ ግና እንታይ እያ፧ ከነማዕብላን በብመዓልቱ ኸነንጸባርቓን እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ካብ መዛግብትና

“ካልእ ዓብዪ ኣኼባ መዓስ እዩ ዚህልወና፧”

ነቲ ብ1932 ኣብ መክሲኮ ሲቲ እተገብረ ኣኼባ ፍሉይ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ማቴዎስ ብዛዕባ ግዜ ንእስነትን መስመር ወለዶን የሱስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ካብ ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧