ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ለካቲት 2016

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 4 ሚያዝያ ክሳዕ 1 ግንቦት 2016 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣሳልጦ ሂቡኒ

ኮርዊን ሮቢሰን፡ ነተን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ንልዕሊ 60 ዓመት ዘገልገሎ ሓዊስካ ንኣምላኽ 73 ዓመት እሙን ኰይኑ ኣገልጊልዎ እዩ።

የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ

ፈታዊ የሆዋ ኽትከውን ምደለኻዶ፧ ካብ ኣብነት ኣብርሃም ተምሃር።

ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሆዋ ምሰሎም

ሩትን ህዝቅያስን ማርያምን ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርቱ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

ወትሩ ንየሆዋ ብሓጐስ ኣገልግሎ

ብዛዕባ ሰለስተ ቀንዲ ስርዓታት ምስትንታንካ፡ ሓጐስካ ኽትዕቅብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ንየሆዋ እሙን ኩን

ዮናታን ዝሓደጎ ኣብነት ኣብ ኣርባዕተ በዳሂ ዅነታት ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ይሕግዘና።

ካብ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ተምሃር

ዳዊትን ዮናታንን ናታንን ሑሻይን ብቐዳምነት ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

ካብ መዛግብትና

ብሚልዮናት እትፍለጥ መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና

ካብ 1936 ክሳዕ 1941፡ “መጕልሕ ድምጺ እተገጥመላ ማኪና ግምቢ ዘብዐኛ” ኣብ ብራዚል ንዚነብሩ ሚልዮናት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብጺሓትሎም እያ።