Privacy Settings

To provide you with the best possible experience, we use cookies and similar technologies. Some cookies are necessary to make our website work and cannot be refused. You can accept or decline the use of additional cookies, which we use only to improve your experience. None of this data will ever be sold or used for marketing. To learn more, read the Global Policy on Use of Cookies and Similar Technologies. You can customize your settings at any time by going to Privacy Settings.

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ጥቓ ብሓባር ግዜ እናኣሕለፉ ይስሕቁን ይዘናግዑን።

5 መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

5 መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መከራ ኸም ዜኽትም ዜእምነና ምኽንያት እንተሎ፡ እዚ ተስፋ እዚ ነቲ ብዛዕባ ህይወትን ብዛዕባ ኣምላኽን ዘሎና ኣረኣእያ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ብዙሓት ሰባት ንመከራ ኼወግድዎ እኳ እንተ ደለዩ፡ ዓቕሞም ግና ድሩት እዩ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ተመልከት፦

ኣብ ሕክምና ምዕባለታት እናሃለወ ኽነሱ፡ . . .

  • ሕማም ልቢ ብቐዳምነት ዚስራዕ ጠንቂ ሞት ኰይኑ ኣሎ።

  • መንሽሮ ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ይቐትል ኣሎ።

  • ዶ/ር ዴቪድ ብሉም ኣብ መጽሔት ፍሮንቲርስ ኢን ኢሙኖሎጂ ኸም ዝጸሓፎ፡ “ዓለምና ብሰንኪ እቲ ንነዊሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዚቕልቀል ዘሎን ዳግም ዚቕልቀል ዘሎን ተመሓላላፊ ሕማማት ስግኣት ኣለዋ።”

ኣብ ገሊኡ ሃገራት ስጋዊ ብልጽግና እናሃለወ ኽነሱ፡ . . .

  • ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ሕጻናት ይሞቱ ኣለዉ፣ እቶም ኣብ ድኻታት ዓድታት ዚነብሩ ድማ እዮም መብዛሕትኡ ግዜ በዚ ዚጽለዉ።

  • ቢልዮናት ሰባት ብዘይ እኹል ሓለዋ ጽሬት ይነብሩ ኣለዉ።

  • ኣማእታት ሚልዮናት ቀረብ ውሑስ ማይ የብሎምን።

ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍልጦ እናሃለወ ኽነሱ፡ . . .

  • ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ንግዲ ሰባት ይቕጽል ኣሎ፣ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዚብሎ ድማ፡ እቶም ንበደልቲ ብሕጊ ዘይከስስዎም ሰበ ስልጣን፡ “ወይ እቲ ጸገም ኣይርኣዮምን እዩ፣ ወይ ድማ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዓቕሚ የብሎምን።”

    ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

    ኣብ jw.org መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ይሓልየልና እዩ።

ብስቓይናን ብሓዘንናን ዘይግድሶ ኣይኰነን።

“[ኣምላኽ] ንመከራ ጭቁን ኣይነዓቐን፡ ኣይፈንፈነን እውን፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወለን። ናብኡ ምስ ኣእወየ፡ ሰሚዕዎ እዩ።”መዝሙር 22:24

“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።”1 ጴጥሮስ 5:7

መከራ ንሓዋሩ ኣይኪቕጽልን እዩ።

ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጸም መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ።

“ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”ራእይ 21:3, 4

ኣምላኽ ንጠንቂ መከራ ደቂ ሰብ ፍታሕ ኪገብረሉ እዩ።

ብመንግስቱ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዚገብር፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ ናይ ሓቂ ምዃና ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ኣይክትውሃብን እያ። . . . ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”ዳንኤል 2:44