ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 2 2020 | ብዛዕባ መከራ ዚልዓል 5 ሕቶታት ምስ መልሱ

እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ኵሉ ሰብ ዜሕዝን ነገር፡ ንኣብነት ሕማም፡ ሓደጋ፡ ባህርያዊ ዕንወት፡ ወይ ዓመጻ የጋጥሞ እዩ።

ሰባት መልሲ ይደልዩ እዮም።

  • ገሊኦም ሰባት መከራ ብሰንኪ ዕድልካ ኸም ዚመጽእ ይኣምኑ፡ ወይ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዚወርድ ጠሪስና ኽንቈጻጸሮ ኸም ዘይንኽእል ይኣምኑ።

  • ገሊኦም ከኣ ኣብ ካርማ ይኣምኑ፣ ማለት ኣብ መጀመርታ እዛ ህይወትና ወይ ኣብ ሕሉፍ ህይወትና ብሰንኪ ዝገበርናዮ ሕማቕ ነገር መከራ ኸም ዚረኽበና ይኣምኑ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዜሕዝን ፍጻመ ኼጋጥም ከሎ፡ ዘይተመለሰ ሕቶታት ሓዲጉ እዩ ዚኸይድ።

ገሊኦም እንታይ ኢሎም ይኣምኑ፧

በበይነን ሃይማኖታት ብዛዕባ ጠንቂ መከራ እንታይ ኢለን ከም ዚኣምና ኣነጻጽር።

1 ኣምላኽ ብመከራና ተሓታቲ ድዩ፧

ሰባት በቲ ንኣምላኽ ዘይናቱ ዚህቦ ትምህርትታት ይታለሉ እዮም። ግናኸ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

2 ንሕና ብመከራና ተሓተትቲ ዲና፧

እቲ መልሲ ‘እወ’ እንተ ዀይኑ፡ ንመከራና ንምንካይ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኪህሉ ይኽእል እዩ።

3 ስለምንታይ እዮም ቅኑዓት ሰባት መከራ ዚረኽቡ፧

ናይዚ መልሲ ንምርካብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕግዘና።

4 መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧

ኣምላኽ ኣብ ዓለም እዚ ዅሉ ጽባቐ ፈጢሩ ኼብቅዕሲ፡ ህይወትና መከራ ኪኸውን ኢሉ ምፈጠረናዶ፧ ንኸምኡ ዘይፈጥረና ኻብ ኰነ ደኣ፡ እቲ ነገር ኣበይ እዩ ተበላሽዩና፧

5 መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ኣምላኽ ንመከራ ብኸመይ ከም ዜወግዶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ።

ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ጸገማትና ፍታሕ ዘይብሉ እኳ እንተ መሰለ፡ ኪሕግዘና ዚኽእል ዜተኣማምን መምርሒ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።