ንቕሑ! ቍ. 1 2020 | ካብ ጸቕጢ እፎይታ ርኸብ

ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ካብ ጸቕጢ እፎይታ ንምርካብ ግና ክትገብሮ እትኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ።

ጸቕጢ ኣሎካዶ፧

ጸቕጢ ምእንቲ ኸይብርትዓካ፡ ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ።

ጠንቅታት ጸቕጢ እንታይ እዩ፧

ገለ ኻብ ጠንቅታት ጸቕጢ ርአ እሞ፡ ጽልዋ ይገብረልካ እንተሎ መርምር።

ጸቕጢ እንታይ እዩ፧

ጸቕጢ ንቡር ክፋል ህይወት እዩ። እምብዛ ጸቕጢ ንሰብነትካ ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚኽእል ርአ።

ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧

ንጸቕጢ ብዝሓሸ ኽትጻወሮ፡ ካብኡ ሓሊፍካ እውን ክትንክዮ ዚሕግዝ ግብራዊ ስርዓታት ርአ።

ካብ ጸቕጢ ሓራ እትዀነሉ ህይወት

ንሕና ባዕልና ንዅሉ ጸቕጢ ኸነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ግና ይኽእል እዩ።

“ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ”

እዘን ኣብ ምሳሌ 14:30 ዚርከባ ቓላት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ የንጸባርቓ።