ንቕሑ! ቍ. 1 2019 | ካብ ስግኣት ናጻ እንዀነሉ እዋንሲ ኺመጽእ ድዩ፧

ገለ ኻብቲ ነዛ ዓለምና ሰላምን ውሕስነትን ዘለዋ ቦታ ንምግባር ዜጋጥም ብድሆታትን እንታይ ከም ዜድልን ርአ።

ኣብ ሰላምናን ውሕስነትናን እተፈጥረ ስግኣት

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንውሕስነትና ዜስግእ ነገራት የጋጥመና ኣሎ። እዝስ ፍታሕ ኣለዎዶ፧

ነቲ ጸገማት ካብ ሱሩ ምፍታሑ

ሓያሎ ኻብቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ጸገማት፡ ብሰንኪ ዘይፍጽምናኦም እዩ ዚፍጠር። ካበይ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል፧

ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ

ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ንምርካብ ልዑል ስነ ምግባር የድሊ።

ታሪኽ ሪካርዶን ኣንድሬስን

ሪካርዶን ኣንድሬስን ሰላም ጐረባብቶም ይዘርጉ ነይሮም፣ ሕጂ ግና ሰላማውያን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወቶም ብኸመይ ከም ዝቐየሮ ፍለጥ።

‘ሰላማ መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ’

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ሰላም ኪበዝሕ እዩ”

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዓለምለኻዊ ሰላምን ስኒትን ከተምጽእ እያ።

ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎካ ሕቶታት ኸመይ ጌርካ መልሲ ኽትረኽበሉ ትኽእል፧