ምኽሪ መጽናዕቲ
ልብኻ ኣዳሉ
መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ሓሳባት የሆዋ ንልብና ወይ ንውሽጣዊ ስብእናና ኺጸልዎ ንደሊ ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እዝራ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ ኣሎ። ብዛዕባኡ፡ “ሕጊ የሆዋ ንምምርማር . . . ልቡ ኣዳለወ” ዚብል ነንብብ። (እዝ. 7:10) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ልብና ኸነዳሉ እንኽእል፧
ጸሊ። መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርካ ጸሊ። ነቲ እትምሃሮ ምእንቲ ኽትርድኦን ምእንቲ ኽትትግብሮን፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን።—መዝ. 119:18, 34።
ትሑት ኩን። ኣምላኽ ንዕቡያትን ብርእሶም ንዚምክሑን ሰባት ሓቂ ኣይገልጸሎምን እዩ። (ሉቃ. 10:21) ስለዚ፡ ምርምር እትገብረሉ ዕላማ፡ ንኻልኦት ንምምሳጥ ኢልካ ኪኸውን የብሉን። ኣተሓሳስባኻ ምስ ናይ ኣምላኽ ኣብ ዘይሳነየሉ መዳያት፡ ብትሕትና ኣተሓሳስባኻ ቐይር።
መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ስማዕ። ሙዚቃ ንልብና ኺዛረቦ፡ ንኣምልኾ እውን ኬዳልወና ይኽእል እዩ። መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርካ፡ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ሰሚዕካ፡ ልብኻ ኺዳሎ ይኽእል እዩ።