Privacy Settings

To provide you with the best possible experience, we use cookies and similar technologies. Some cookies are necessary to make our website work and cannot be refused. You can accept or decline the use of additional cookies, which we use only to improve your experience. None of this data will ever be sold or used for marketing. To learn more, read the Global Policy on Use of Cookies and Similar Technologies. You can customize your settings at any time by going to Privacy Settings.

ምኽሪ መጽናዕቲ

ልብኻ ኣዳሉ

ልብኻ ኣዳሉ

መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ሓሳባት የሆዋ ንልብና ወይ ንውሽጣዊ ስብእናና ኺጸልዎ ንደሊ ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እዝራ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ ኣሎ። ብዛዕባኡ፡ “ሕጊ የሆዋ ንምምርማር . . . ልቡ ኣዳለወ” ዚብል ነንብብ። (እዝ. 7:10) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ልብና ኸነዳሉ እንኽእል፧

ጸሊ። መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርካ ጸሊ። ነቲ እትምሃሮ ምእንቲ ኽትርድኦን ምእንቲ ኽትትግብሮን፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን።—መዝ. 119:18, 34

ትሑት ኩን። ኣምላኽ ንዕቡያትን ብርእሶም ንዚምክሑን ሰባት ሓቂ ኣይገልጸሎምን እዩ። (ሉቃ. 10:21) ስለዚ፡ ምርምር እትገብረሉ ዕላማ፡ ንኻልኦት ንምምሳጥ ኢልካ ኪኸውን የብሉን። ኣተሓሳስባኻ ምስ ናይ ኣምላኽ ኣብ ዘይሳነየሉ መዳያት፡ ብትሕትና ኣተሓሳስባኻ ቐይር።

መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ስማዕ። ሙዚቃ ንልብና ኺዛረቦ፡ ንኣምልኾ እውን ኬዳልወና ይኽእል እዩ። መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርካ፡ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ሰሚዕካ፡ ልብኻ ኺዳሎ ይኽእል እዩ።