ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

“ሕጂ ኣገልግሎት እፈቱ እየ!”

“ሕጂ ኣገልግሎት እፈቱ እየ!”

ኣብ ደቡባዊ ደሴት ኒው ዚላንድ ኣብ እትርከብ ባልክሉታ ኣብ እትብሃል ናይ ገጠር ከተማ እየ ዓብየ። ብቝልዕነተይ ንየሆዋ እቐርቦን ሓቂ እፈቱን ነይረ እየ። ኣኼባታት እውን ኣይከብደንን እዩ ነይሩ። ኣብ ጉባኤና ኸኣ ሰላምን ሓጐስን ይስምዓኒ ነይሩ። ብተፈጥሮይ ሕውስቲ እኳ እንተ ዘይነበርኩ፡ ኣብ ሰሰሙን ናብ ኣገልግሎት ምኻድ ግና እፈቱ ነይረ እየ። ንመማህርተይን ንኻልኦትን እውን እሰብከሎም ነይረ እየ። ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃነይ እሕበን ነይረ እየ፣ ጓል 11 ዓመት ምስ ኰንኩ ኸኣ ህይወተይ ንኣምላኽ ወፈኹ።

ሓጐሰይ ኣጥፊአ

ጐርዞ ምስ ኰንኩ ግና እቲ ምስ የሆዋ ዝነበረኒ ጽቡቕ ርክብ ዘሓለ። መማህርተይ ደረት ዘይብሉ ናጽነት ከም ዘለዎም፡ ኣነ ግና የምልጠኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ ኺስምዓኒ ጀመረ። እቲ ሕግታት ወለደይን ክርስትያናዊ ስርዓታትን ጾር ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ እዩ። ክርስትያናዊ ንጥፈታት ድማ ከም ከቢድ ስራሕ ኰይኑ ተሰሚዑኒ እዩ። ንህልውና የሆዋ ፈጺመ ኣብ ሕቶ እኳ እንተ ዘየእቶኽዎ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ግና ባዶ ከም ዝዀንኩ ዀይኑ ኺስምዓኒ ጀመረ።

ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ንማለቱ ጥራይ ብምግልጋል ንጥፍቲ ዀይነ ክቕጽል ከኣልኩ። ንምስክርነት ክወፍር ከለኹ ኣይዳሎን እየ ነይረ፣ ስለዚ ዝርርብ ምጅማር ወይ ምቕጻል ይኸብደኒ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣገልግሎተይ ፍረ ዘይብሉን ዘየሐጕስን ኰይኑ ነይሩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ኣሉታዊ ስምዒታተይ ወሰኸሉ። ‘ከመይ ገይሩ ሓደ ሰብ ሰሙን መጸ ወይ ወርሒ መጸ ነዚ ኺገብሮ ይኽእል፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ።

ጓል 17 ኣብ ዝዀንኩሉ እዋን ናጻ ክኸውን ሓያል ድሌት ሓደረኒ። ስለዚ፡ ሳንጣይ ጠቕሊለ ናብ ኣውስትራልያ ገዓዝኩ። ወለደይ እዚ ኸቢድዎም ነይሩ እዩ። ብዙሕ ኣተሓሳሲብዎም እኳ እንተ ነበረ፡ መንፈሳዊ ልማደይ ዝቕጽል ግና ይመስሎም ነይሩ እዩ።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ መንፈሳውነተይ እናደኸመ ኸደ። ኣብ ኣኼባታት እውን ሳሕቲ እየ ዝእከብ ነይረ። ምስቶም ከምዚ ኸማይ ሓደ ምሸት ኣብ ኣኼባ ኣምስዮም ኬብቅዑ፡ ንጽብሒቱ እንዳ መስተን ለይታዊ ትልሂትን ዜምስዩ መንእሰያት ክቀራረብ ጀመርኩ። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ከለኹ ሓደ እግረይ ኣብ ሓቂ፡ ሓደ እግረይ ከኣ ኣብ ዓለም እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ክልቲኡ ኣይጠዓመንን ነይሩ።

ዘይተጸበኽዎ ኣገዳሲ ትምህርቲ

ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ፡ ከይተፈለጣ ብዛዕባ ህይወተይ ከም ዝሓስብ ምስ ዝገበረትኒ ሓብቲ ንሓጺር ግዜ ተራኸብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓሙሽተ ንጽል ኣሓት ኣብ ሓደ ገዛ እየ ንነብር ኔርና። ንሓላው ወረዳናን ታማራ ንዝስማ ሰበይቱን ከኣ ምሳና ሰሙን ኪቕንዩ ዓደምናዮም። ሰብኣያ ናይ ጉባኤ ስራሓት ኪሰርሕ ከሎ፡ ታማራ ምሳና ምስተን ደቂ ኣንስትዮ ግዜ ተሕልፍን ትስሕቕን ነይራ። ነዚ ብሓቂ እየ ፈትየዮ። መስክነይትን ምቕልልትን እያ ነይራ። ሓንቲ ኽሳዕ ክንድቲ መንፈሳዊት ዝዀነት ሰብ፡ ባህ እተብል ምዃና ገሪሙኒ ነይሩ።

ታማራ ውዕዉዕ መንፈስ እዩ ነይርዋ። ንሓቅን ንኣገልግሎትን ዝነበራ ፍቕሪ ተመሓላላፊ እዩ ነይሩ። ንሳ ንየሆዋ ብሉጻ ብምሃባ ደስ ኪብላ ኸሎ፡ ኣነ ግና ንማለቱ ኣገልግሎት ብምቕራበይ ዘይሕጕስቲ እየ ነይረ። እቲ ኣወንታዊ ኣረኣእያኣን ናይ ሓቂ ሓጐሳን ኣብ ህይወተይ ዓሚቝ ጽልዋ ሓዲጉለይ እዩ። ኣብነታ ድማ ናብ ሓደ መሰረታዊ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኸም ዘተኵር ገይሩኒ እዩ፦ የሆዋ፡ ኵላትና ‘ብሓጐስን ብእልልታን’ ከነገልግሎ እዩ ዚደሊ።—መዝ. 100:2

ንኣገልግሎት ዘሎኒ ፍቕሪ ዳግም ወሊዐዮ

ከምቲ ንታማራ ዝነበራ ዓይነት ሓጐስ ደለኹ፣ ነቲ ሓጐስ እቲ ንምርካብ ግና፡ ገለ ዓበይቲ ለውጥታት ኪገብር ነይሩኒ። ግዜ እኳ እንተ ወሰደለይ፡ ንኣሽቱ ስጕምትታት ክወስድ ጀመርኩ። ንኣገልግሎት ክዳሎ ጀመርኩ፣ ሓሓሊፈ ድማ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይነ አገልግል ነበርኩ። በዚ ኸምዚ፡ ፍርሀይ እናፈዀሰኒ ኸደ፡ ዝያዳ ምትእምማን እውን ኪስምዓኒ ጀመረ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ብእተጠቐምኩሉ መጠን ከኣ፡ ብዝያዳ ዕግበት ተሰምዓኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ፡ ወርሒ ወርሒ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ኣብ ሓቂ ጽቡቕ ምስ ዘለዉን ንየሆዋ ብዜቕርብዎ ኣገልግሎት ምስ ዚሕጐሱን ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ መሓዙት ገበርኩ። እቲ ሰናይ ኣብነቶም ከኣ፡ ነቲ ቐዳምነታተይ ዳግም ክግምግምን ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ከማዕብልን ሓገዘኒ። ንኣገልግሎት ብዝያዳ ኽፈትዎ ጀመርኩ። ድሕርዚ ኸኣ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕሪ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ርግኣትን ሓጐስን ተሰምዓኒ፣ ኣብ ጉባኤ ኸኣ ኣብ ቤተይ ከም ዘለኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

ኣብ ፈላምነት ነባሪ መገላግልቲ ረኺበ

ድሕሪ ዓመት፡ ምስ ኣሌክስ ተራኸብኩ፣ ኣሌክስ ንየሆዋን ንኣገልግሎትን ዚፈቱ ብሓቂ ለዋህ ሰብ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ነይሩ እዩ፣ ንሽዱሽተ ዓመት ኸኣ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ነይሩ እዩ። ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ማላዊ እውን ንእተወሰነ ግዜ ኣገልጊሉ ነይሩ። ኣብኡ ድማ ነባሪ ጦብላሕታ ምስ ዝሓደጉሉ ሚስዮናውያን ይቐርብ ነይሩ፣ ንሳቶም ከኣ ወትሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድም ኣተባቢዖምዎ እዮም።

ብ2003፡ ኣነን ኣሌክስን ተመራዓውና፣ ካብ ሽዑ ንነጀው እውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንቕጽል ኣለና። ብዙሕ ዜደንቕ ትምህርትታት ተማሂርና ኢና፣ የሆዋ ኸኣ ብብዙሕ መገድታት ባሪኹና እዩ።

ናብ ተወሳኺ በረኸት ዚመርሕ ኣፍ ደገ

ኣብ ግለኖ፡ ቲሞር-ለስተ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እናኣገልገልና

ብ2009፡ ኣብ ቲሞር-ለስተ ሚስዮናውያን ኴንና ኸነገልግል ተዓደምና። ቲሞር-ለስተ ኣብ ጥቓ እኩባት ደሴታት ኢንዶነዥያ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስምባድን ሓጐስን ፍርህን ብሓንሳእ ተሰሚዑና ነይሩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ናብታ ዲሊ እትብሃል በጻሕና።

ናብታ ዓዲ ኽንግዕዝ ከለና፡ ኣብ ኣነባብራ ዓብዪ ለውጢ ኽንገብር ነይሩና። ነቲ ሓድሽ ባህልን ቋንቋን ምግብን ኣነባብራን ክንለምዶ ነይሩና። ኣብ ኣገልግሎት ከኣ፡ ብዙሕ ግዜ ነቲ ድኽነትን ሕማቕ ትምህርትን ጭቈናን ዜስዕቦ ሳዕቤን ንርኢ ኔርና ኢና። ውግእን ዓመጻን ዜስዕቦ ኣካላውን ስምዒታውን በሰላ ዝጾሩ ብዙሓት ሰባት እውን ርኢና ኢና። *

ኣገልግሎት ዜደንቕ እዩ ነይሩ! ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ ምስ ሓንቲ ማሪያ * ዝስማ 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ተራኸብኩ። ኣዲኣ ቕድሚ ሒደት ዓመት ሞይታታ ነይራ፣ ንኣቦኣ ኸኣ ዳርጋ ርእያቶ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ። ማሪያ ኸምቶም መሳቱኣ ቘልዑ፡ ኣብ ህይወታ እንታይ ከም እትገብር ሓርቢትዋ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ስምዒታታ እናገለጸትለይ በኸየት። ኣነ ግና ቋንቋኣ ዘይመለኽክዎ ብምንባረይ፡ እንታይ ትብል ከም ዝነበረት ኣይተረድኣንን ነይሩ። ከተባብዓ ምእንቲ ክኽእል፡ ናብ የሆዋ ጸለኹ፣ ሃናጺ ጥቕስታት ድማ ኣንበብኩላ። ኣብቲ ዚቕጽል ሒደት ዓመታት፡ ሓቂ ንኣረኣእያን ንትርኢትን ንህይወትን ማሪያ ኪቕይሮ ርእየ እየ። ሕጂ፡ ጥምቕቲ እያ፡ መጽናዕታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ትመርሕ ኣላ። ሎሚ ማሪያ ዓብዪ መንፈሳዊ ስድራ ቤትን ፍቕርን ረኺባ ኣላ።

የሆዋ ነቲ ኣብ ቲሞር-ለስተ እተዓይየ ዕዮ ይባርኾ ኣሎ። መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት እኳ እንተ ተጠምቁ፡ ብዙሓት ካባታቶም ፈለምቲ፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ፡ ወይ ሽማግለታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶ ይዓይዩ ኣለዉ፣ ብቛንቋታቶም እውን መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ምድላው ይሕግዙ ኣለዉ። ኣብ ኣኼባታት ኪዝምሩ ኽሰምዖም ከለኹ፡ ኣብ ገጾም ፍሽኽታ ኽርኢ ኸለኹ፡ መንፈሳዊ ዕቤቶም ከኣ ክዕዘብ ከለኹ ብዙሕ እየ ዝሕጐስ።

ምስ ኣሌክስ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳል ናብ ዘይተመደበ ኽሊ እናነቐልና

ካብዚ ዚበልጽ ሓጐስ ዘለዎ ህይወት ዘሎ ኣይመስለንን

ኣብ ቲሞር-ለስተ ዝነበረና ህይወት፡ ካብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበረና ህይወት ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ካብዚ ዚበልጽ ሓጐስ ዘለዎ ህይወት ዘሎ ኣይመስለንን። ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰባት ኣብ ዝመልአት ንእሽቶ ኣውቶቡስ ተጸቓቒጥና ንኸይድ ኔርና ኢና፣ እዚ ኸይኣክል ከኣ ካብ ዕዳጋ ዝዓደግዎ ንቑጽ ዓሳን ኣሕምልትን ምስ ሰብ እዩ ዚጽዓን። ሓድሓደ መዓልቲ፡ ባይታኣ ሓመድ ኣብ ዝዀነ ሃሩርን ራህድን ዘለዋ ንእሽቶ ቤት፡ ደርሁ ብትሕቴና እናተጓየያ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ኔርና ኢና። እዚ ጸገማት እናሃለወ ግና፡ ብዙሕ ሳዕ ‘ኣቤት ኪፍተወካ!’ ኢለ እሓስብ ነይረ።

ናብ ክልና እናተበገስና

ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ኣብተን ዝጐርዘኹለን ኣጸጋሚ ዓመታት እውን ከይተረፈ፡ ወለደይ ንዓይ መገድታት የሆዋ ንምምሃርን ንምድጋፍን ዚከኣሎም ብምግባሮም አመስግኖም እየ። ምሳሌ 22:6 ኣብ ህይወተይ ሓቂ ዀይና ረኺበያ እየ። ማማን ባባን ብኣይን ብኣሌክስን ይሕበኑ እዮም፣ ንየሆዋ ምግልጋልና የሐጕሶም እዩ። ካብ 2016 ንነጀው፡ ኣብ ክሊ ጨንፈር ኣውስትራሌዥያ ኣብ ዕዮ ወረዳ ነገልግል ኣለና።

ንገሊኦም ሕጉሳት ቈልዑ ቲሞር፡ ቪድዮ ካሌብን ሶፍያን እናኣርኣኽዎም

ሓደ እዋን ዕዮ ስብከት ይኸብደኒ ምንባሩ፡ ይገርመኒ እዩ። ሕጂ፡ ኣገልግሎት እፈቱ እየ! ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ላዕልን ታሕትን ብዘየገድስ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ብምግልጋል እዩ ዚርከብ። እተን ምስ ኣሌክስ ሓቢረ ንየሆዋ ዘገልገልኩለን 18 ዓመታት፡ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ሓጐስ ዝረኸብኩለን ዓመታት እየን። ዳዊት እቲ ዘማሪ ንየሆዋ፡ “ኵሎም እቶም ኣባኻ ዚምዕቈቡ ግና ኪሕጐሱ፡ ወትሩ እውን እልል ኪብሉ እዮም። . . . ንስምካ ዚፈትውዎ ድማ ብኣኻ ኺሕጐሱ እዮም” ኢሉ እተዛረቦ ነገር ሓቂ ምዃኑ ሕጂ ተረዲኡኒ እዩ።—መዝ. 5:11

ምስ ትሑታት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ!

^ ሕ.ጽ. 21 ቲሞር-ለስተ ፖለቲካዊ ናጽነት ንምርካብ፡ ካብ 1975 ኣትሒዛ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝወሰደ ውግእ ገይራ እያ።

^ ሕ.ጽ. 22 ስም ተቐዪሩ እዩ።