ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መስከረም 2019

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 28 ጥቅምቲ ኽሳዕ 7 ታሕሳስ 2019 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም

ትሕትና ሓንቲ ኻብተን ከነማዕብለን ዘሎና ኣዝየን ኣገደስቲ ባህርያት እያ። ግናኸ፡ ለውጥታት ንትሕትናና ዚፍትና ብኸመይ እዩ፧

ኣርማጌዶን ብስራት እያ!

እንታይ ቀንዲ ፍጻመታት እዩ ናብ ኣርማጌዶን ዚመርሕ፧ መወዳእታ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ ኸመይ ጌርና ኢና ተኣማንነትና ኽንሕሉ እንኽእል፧

ንየሆዋ ኣዚና ንገዝኣዮ—ስለምንታይን ብኸመይን፧

ሽማግለታትን ኣቦታትን ኣዴታትን ካብ ነህምያ እቲ ሹምን ካብ ንጉስ ዳዊትን ካብ ማርያም ኣደ የሱስን ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም።

“ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ”

ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ጻውዒት ምቕባል እንታይ የጠቓልል፧ ሰለስተ ነገር እንተ ጌርና፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት የሱስ ዕረፍቲ ኽንረክብ ኢና።

“እንሆ፡ . . . ብዙሓት ህዝቢ”

የሆዋ ኣብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ትንቢታዊ ራእይ፡ ብዛዕባ እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ድሒኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ “ብዙሓት ህዝቢ፡” መንነቶምን ብዝሖምን ካብ በበይኖም ህዝብታት እተኣከቡ ምዃኖምን ገሊጹ ኣሎ።