ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ መስከረም 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 29 ጥቅምቲ ኽሳዕ 2 ታሕሳስ 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ

“ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም”

ብትዕግስቲ ኽንጽበ እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧ ከምኡ ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም ክርስትያናት፡ የሆዋ ንተኣማንነትኩም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ

ሎሚ ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያን ሰብኡት ትሕትና ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

ፍቕሪ ስለ እትሃንጽ፡ ብቐጻሊ ፍቕሪ ኣርኢ

ኣብዘን ኣጸገምቲ ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን ንሓድሕድና ብኸመይ ክንበራታዕ ከም እንኽእል ርአ።

ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም

ጸገማት እናኣጋጠመና ኽነሱ ኸመይ ጌርና ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል፧

ሰዓት ክንደይ ኰይኑ፧

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ሰዓት ክንደይ ምዃኑ ብኸመይ ይፈልጡ ነይሮም፧

ኵሉ ዚኽእል፡ ግናኸ ሓላዪ

የሆዋ ንኻልኦት ከም ዝሓሊ ሰናይ ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧

ንየሆዋ ብምምሳል፡ ሓላይን ለዋህን ኩን

ኣብ ስድራ ቤት፡ ኣብ ጉባኤ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ሓልዮትካ ኸተርእየሉ እትኽእል ግብራዊ መገድታት ተምሃር።