ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7

ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7

5 ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ፣ ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ መጹ። 2 ሽዑ፡ ኣፉ ኸፊቱ፡ ከምዚ እናበለ መሃሮም፦

3 “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።

4 “ዚሓዝኑ፡ ኪጸናንዑ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።

5 “ልኡማት a ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።

6 “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ b እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።

7 “መሓርቲ ኺምሓሩ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።

8 “ጽሩይ ዝልቦም፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።

9 “ገበርቲ ሰላም፡ c ውሉዳት ኣምላኽ ኪብሃሉ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።

10 “ምእንቲ ጽድቂ ዚስጐጉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።

11 “ምእንታይ ምስ ዚጸርፉኹምን ምስ ዚሰጕጉኹምን ክፉእ ዘበለ ብሓሶት ምስ ዚዛረቡልኩምን፡ ሕጉሳት ኢኹም። 12 ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት እውን ከምኡ ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም።

13 “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፣ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፊኡ ግና፡ ብኸመይ ጨዋም ይኸውን፧ ብሰብ ኪርገጽ ናብ ግዳም ኪድርበ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይጠቅምን እዩ።

14 “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን እተደኰነት ከተማ ኽትክወል ኣይትኽእልን እያ። 15 መብራህቲ ኣብሪሆም ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዘይኰነስ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል እዮም ዚሰቕልዎ፣ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ድማ የብርህ። 16 ከምኡ ኸኣ፡ ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

17 “ንሕጊ ዀነ ንነብያት ክስዕር ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ክፍጽም ደኣ እምበር፡ ክስዕር ኣይመጻእኩን። 18 ሰማይን ምድርን እኳ እንተ ዚሓልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕጊ ሓንቲ ንእሽቶ ፊደል ወይ ሓንቲ ሕንጻጽ ፊደል እኳ ኣይክትሓልፍን እያ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 19 እምበኣር፡ ሓንቲ ኻብዘን ንኣሽቱ ትእዛዛት ዚጥሕስ፡ ንሰብ ከኣ ከምኡ ዚምህር ዘበለ፡ ምስ መንግስተ ሰማያት ብእተተሓሓዘ ንእሽቶ ኺብሃል እዩ። እናገበረ ዚምህር ዘበለ ግና፡ ምስ መንግስተ ሰማያት ብእተተሓሓዘ ዓብዪ ኺብሃል እዩ። 20 ጽድቅኹም ካብ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እንተ ዘይበዚሑስ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም፡ እብለኩም ኣለኹ።

  21 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘ዚቐትል ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል’ ከም እተባህሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም። 22 ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ብሓዉ ተቘጢዑ ዚነብር ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ፣ ንሓዉ ብሕማቕ ቃል ዜዋርዶ ዘበለ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ፣ ‘ኣታ ዘይትረብሕ ዓሻ’ ዚብሎ ዘበለ ኸኣ፡ ንገሃነም d ሓዊ ኺፍረዶ ይኽእል እዩ።

23 “እምበኣር፡ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጺእካ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ጕህዩልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ፡ 24 መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ ኺድ። ቅድም፡ ምስ ሓውካ ተዓረቕ፣ ድሕሪኡ፡ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።

25 “ነቲ ምስ መባእስትኻ ዘሎካ ነገር ገና ምስኡ ኣብ መገዲ ኸለኻ፡ ቀልጢፍካ ኣደቅሶ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ መባእስትኻ ንፈራዲ፡ እቲ ፈራዲ እውን ንጊልያኡ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ፣ ንስኻ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽትድርበ ኢኻ። 26 እታ ናይ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትኸፍል፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።

27 “‘ኣይትዘሙ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። 28 ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘምዩ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 29 የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ፡ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ብዘሎ ሰብነትካ ናብ ገሃነም e ካብ ዚድርበ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ። 30 የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሒታትካ እውን፡ ቈሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ሰብነትካ ኣብ ገሃነም f ካብ ዚኣቱ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ።

31 “ብተወሳኺ፡ ‘ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ፡ ጽሑፍ መፍትሒኣ ይሃባ’ ተባሂሉ እዩ። 32 ኣነ ግና፡ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና g ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዅሉ፡ ንዝሙት የቃልዓ፣ ፍትሕቲ ዚምርዖ ዘበለ ድማ ይዝሙ፡ እብለኩም ኣለኹ።

33 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘መብጽዓኻ ንየሆዋ ሃብ ደኣ እምበር፡ ብኸንቱ ኣይትምሓል’ ከም እተባህሎም እውን ሰሚዕኩም ኣለኹም። 34 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ከቶ ኣይትምሓሉ፣ ብሰማይ ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ 35 ብምድሪ ዀነ፡ ድኳ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሓሉ። 36 ሓንቲ ጸጕሪ ኸተጻዕድዉ ወይ ከተጸልሙ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ብርእስኹም እውን ኣይትምሓሉ። 37 ‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን። ካብዚ ዝሓለፈ፡ ካብቲ እኩይ እዩ።

38 “‘ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። 39 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ንእኩይ ኣይትቃወምዎ፣ የግዳስ፡ የማነይቲ ምዕጕርትኻ ንዚጸፍዓካ ዘበለ፡ እታ ኻልአይቲ ምለሰሉ። 40 ሓደ ሰብ ኪኸስሰካን ቀምሽካ ኺወስድን እንተ ደልዩ፡ ክዳንካ እውን ሕደገሉ፣ 41 ሓደ ብዓል ስልጣን ከተገልግሎ ኢሉ ሓደ ምዕራፍ ምስኡ ኽትከይድ እንተ ገዲዱካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። 42 ንዚልምነካ ሃቦ፣ ካባኻ ኺልቃሕ h ንዚደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።

43 “‘ብጻይካ ኣፍቅር፡ ጸላኢኻ ድማ ጽላእ’ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። 44 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ፣ 45 ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ። 46 ነቶም ዜፍቅሩኹም እንተ ኣፍቂርኩም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧ ኣከብቲ ቐረጽከ ኸምኡ ይገብሩዶ የለዉን፧ 47 ንኣሕዋትኩም ጥራይ ሰላም እንተ ኢልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ጌርኩም፧ ኣህዛብከ ኸምኡ ይገብሩዶ የለዉን፧ 48 እምበኣር፡ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ፍጹማት i ኩኑ።

6 “ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም፡ ጽድቅኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ ኣይኪህልወኩምን እዩ። 2 ስለዚ፡ ክትምጽውት ከለኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺምጎሱ ኢሎም ኣብ ምኵራባትን ኣብ ጐደናታትን ዚገብርዎ፡ ኣቐዲምካ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 3 ንስኻ ኽትምጽውት ከለኻ ግና፡ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፣ 4 በዚ ኸምዚ ምጽዋትካ ብሕቡእ ይኸውን። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ኪኽሕሰካ እዩ።

5 “ክትጽልዩ ኸለኹም እውን፡ ከምቶም ግቡዛት ኣይትኹኑ፣ ንሳቶም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ኣብ ምኵራባትን ኣብ መኣዝናት ጐደናታትን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም። ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 6 ንስኻ ኽትጽሊ ኸለኻ ግና፡ ናብ ብሑት ክፍልኻ እቶ፡ ማዕጾኻ ዓጺኻ ኸኣ፡ ናብቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ፡ ኪኽሕሰካ እዩ። 7 ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምቲ ብምብዛሕ ቃላት ዚስምዑ ዚመስሎም ኣህዛብ ዚገብርዎ፡ ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ። 8 እምበኣር፡ ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም።

9 “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦

“‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። 10 መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 11 ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። 12 ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። 13 ካብቲ እኩይ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።’

14 “ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፡ ንዓኻትኩም እውን ሰማያዊ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም እዩ፣ 15 ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓዲግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።

16 “ክትጾሙ ኸለኹም፡ እቶም ግቡዛት ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ኢሎም ገጾም የጸምልዉ j እዮም እሞ፡ ደጊም ከማታቶም ገጽኩም ኣይተጸምልዉ። ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 17 ንስኻ ኽትጸውም ከለኻ ግና፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ እውን ተሓጸብ፣ 18 ሽዑ፡ ጸዋሚ ምዃንካ፡ ብሰብ ዘይኰነስ፡ በቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ኽትርአ ኢኻ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ኪኽሕሰካ እዩ።

19 “ብልዒ k ኣብ ዚበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዜመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ደጊም ኣብ ምድሪ መዛግብቲ ኣይትኣክቡ። 20 ኣብ ክንዳኡስ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዘየመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ። 21 መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ።

22 “መብራህቲ ሰብነት፡ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ትኵርቲ እንተ ዀይና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን። 23 ዓይንኻ ቐናእ l እንተ ዀይና ግና፡ ብዘሎ ሰብነትካ ጸልማት ይኸውን። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ክንደይ ኰን ይጽልምት!

24 “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

25 “ስለዚ፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዛዕባ ህይወትኩም ብእትበልዕዎን ብእትሰትይዎን ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ ደጊም ኣይትጨነቑ። ህይወት ካብ ብልዒ፡ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳንዶ ኣይበልጽን፧ 26 ንኣዕዋፍ ሰማይ እሞ ተመልከቱ፣ ሰማያዊ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከን እውን ኣይእክባን እየን። ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧ 27 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ 28 ብዛዕባ ኽዳንከ ስለምንታይ እትጭነቑ፧ ካብቲ ዕምባባታት a መሮር ዚዓብዩሉ መገዲ እሞ ተምሃሩ፣ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ። 29 ኣነ ግና፡ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። 30 ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ 31 እምበኣር፡ ‘እንታይ ንበልዕ፧’ ወይ ‘እንታይ ንሰቲ፧’ ወይ ‘እንታይ ንኽደን፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። 32 ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ኣጸቢቖም ይደልይዎ እዮም። እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።

33 “ስለዚ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። 34 እምበኣር፡ ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።

7 “ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ፣ 2 ብእትፈርድዎ ፍርድስ ኪፍረደኩም፡ ብእትሰፍሩሉ መስፈሪ ድማ ኪስፈረልኩም እዩ። 3 ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ዘየስተብሃልካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ 4 ወይስ ኣብ ዓይንኻ ሰርወ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ‘ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካ ሕደገኒ’ እትብሎ፧ 5 ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ነቲ ሰርወ ኣውጽኣዮ፣ ድሕሪኡ፡ ካብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።

6 “ቅዱስ ዘበለ ንኣኽላባት ኣይትሃቡ። ብኣእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም፡ ሉልኩም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።

7 “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ። 8 ዚልምን ዘበለስ ይቕበል፡ ዚደሊ ዘበለ ይረክብ፡ ዚዅሕኵሕ ዘበለ እውን ይኽፈተሉ እዩ። 9 ካባኻትኩምከ ወዱ እንጌራ እንተ ለሚንዎ፡ እምኒ ዚህቦ መን እዩ፧ 10 ዓሳ እንተ ለሚንዎኸ፡ ተመንዶ ይህቦ፧ 11 እምበኣር፡ ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም!

12 “እምበኣር፡ ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።

13 “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ፣ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍ ደገስ ገፋሕ፡ መገዳ እውን ርሕብቲ እያ፣ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም፣ 14 እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም።

15 “ካብቶም ብውሽጦም ሃርጓማት ተዃሉ ኽነሶም፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም ዚመጹኹም ናይ ሓሶት ነብያት ተጠንቀቑ። 16 ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ፡ ካብ ተዀርባዶኸ በለስ b ይቕንጠብ እዩ፧ 17 ከምኡ ድማ፡ ጽቡቕ ኦም ዘበለ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ ሕማቕ ኦም ዘበለ ኸኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18 ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኺፈሪ፡ ሕማቕ ኦም ከኣ ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይክእልን እዩ። 19 ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20 እምበኣር፡ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።

21 “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ። 22 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካዶ ኣይተነበናን፧ ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውጻእናን፧ ብስምካዶኸ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበርናን፧’ ኪብሉኒ እዮም። 23 ኣነ ግና፡ ‘ኣቱም ጠሓስቲ ሕጊ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን! ካባይ ርሓቑ!’ ክብሎም እየ።

24 “እምበኣር፡ ነዚ ቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሃነጸ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ይመስል። 25 ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ንፋስ እውን ነፈሰ፣ ነታ ቤት ከኣ ደፍኣ፣ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ግና፡ ኣይወደቐትን። 26 ነዚ ቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ፡ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሃነጸ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። 27 ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ንፋስ እውን ነፈሰ፣ ነታ ቤት ከኣ ደፍኣ እሞ ወደቐት፣ ኣወዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።”

28 የሱስ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ፣ 29 ከመይሲ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ።

a ወይ፡ “ዓቃላት።”

b ወይ፡ “ኪዓግቡ።”

c ወይ፡ “ሰላማውያን።”

d ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ጐሓፍ ዚቃጸለሉ ቦታ። ነቲ ብደቡብን ብደቡባዊ ምዕራብን ጥንታዊት የሩሳሌም ዚርከብ ስንጭሮ ሂኖም እተዋህቦ ናይ ግሪኽኛ ስም። እንስሳታት ወይ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ናብቲ ገሃነም ተደርብዮም ከም እተቓጸሉ ወይ ከም እተሳቐዩ ዚገልጽ ዋላ ሓደ መርትዖ የልቦን። ስለዚ፡ እቲ ቦታ እቲ ነቲ ነፍሳት ሰባት ቃል ብቓሉ ኣብ ሓዊ ንዘለኣለም ዚሳቐያሉ ብዓይኒ ዘይርአ ቦታ ኼመልክት ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ንገሃነም፡ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ንምምልካት እዮም ተጠቒሞምሉ።

e ኣብ እግረ ጽሑፍ  5:22 ርአ።

f ኣብ እግረ ጽሑፍ  5:22 ርአ።

g ፖርኒያ ኻብ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እተተርጐመት ኰይና፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣምላኽ ንእተኸልከለ ገሊኡ ጾታዊ ንጥፈታት ተመልክት። ንዝሙትን ኣመንዝራ ንእትፍጽሞ ተግባርን ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ውልቀ ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብን ንግብረ ሶዶምን ምስ እንስሳ ንዚግበር ጾታዊ ርክብን ተጠቓልል።

h ማለት፡ ብዘይ ወለድ ኪልቃሕ።

i ወይ፡ “ምሉኣት።”

j ወይ፡ “ነብሶም ኣይኣልዩን።”

k ግዝዋ ኣኽናፍ ቅድሚ ምውጻኡ፡ ክዳን ኣብ ዚበልዓሉ ደረጃ።

l ቃ.ቃ.፡ “ክፍእቲ፣ እክይቲ።”

a ወይ፡ “ሹሻን።”

b ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኦም በለስ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ እሾዅ ዘለዎ ምስ ቈልቋል ዚዛመድ ዓይነት ተኽሊ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፍሪኡ ንሳግላ ዚመስል ንእስ ዝበለ ኦም እዩ ዜመልክት።