የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመታት ኣንብብ።

መእተዊ

መገድን ሓቅን ህይወትን

ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ትምህርትታትን ተግባራትን የሱስ፡ ንህይወትካ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ።

ምዕራፍ 1

ካብ ኣምላኽ ክልተ መልእኽቲ መጸ

ገብርኤል መልኣኽ ንምእማኑ ዜሸግር መልእኽትታት ኣምጽአ።

ምዕራፍ 2

የሱስ ገና ኸይተወልደ ኽብሪ ተዋህቦ

ኤልሳቤጥን እቲ ገና ዘይተወልደ ወዳን ንየሱስ ክብሪ ዝሃብዎ ብኸመይ እዮም፧

ምዕራፍ 3

መገዲ ዜዳሉ ተወልደ

ዘካርያስ ብተኣምር ኪዛረብ ምስ ጀመረ፡ ኣገዳሲ ትንቢት ተነበየ።

ምዕራፍ 4

ማርያም ከይተመርዓወት ጠነሰት

ማርያም ንዮሴፍ ካብ ካልእ ሰብ ዘይኰነስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዝጠነሰት ምስ ነገረቶ፡ ንሱ ኣሚንዋዶ፧

ምዕራፍ 5

የሱስ መዓስን ኣበይን ተወሊዱ፧

የሱስ ኣብ ታሕሳስ ከም ዘይተወልደ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ምዕራፍ 6

እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወሉ ሕጻን

ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ወሰድዎ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኽልተ እስራኤላውያን ብዛዕባ የሱስ ተነበዩ።

ምዕራፍ 7

ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ በጽሕዎ

እቲ ኣብ ምብራቕ ዝርኣይዎ ኰዀብ መጀመርታ ኣብ ክንዲ ናብ የሱስ፡ ናብቲ ቐታሊ ዝዀነ ንጉስ ሄሮድስ ዝመርሖም ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 8

ካብ ሓደ እኩይ ገዛኢ ሃደሙ

ምስ መሲሕ ዚተሓሓዝ ሰለስተ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ገና ሕጻን ከሎ ተፈጸመ።

ምዕራፍ 9

ኣብ ናዝሬት ዓበየ

የሱስ ክንደይ ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ነይሮምዎ፧

ምዕራፍ 10

የሱስ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተጓዕዘ

ዮሴፍን ማርያምን ንየሱስ ምስ ሰኣንዎ ተሻቐሉ። የሱስ ግና መጀመርታ ኣበይ ኪደልይዎ ኸም ዝነበሮም ብዘይምፍላጦም ተገረመ።

ምዕራፍ 11

ዮሃንስ መጥምቕ መገዲ ኣዳለወ

ገሊኦም ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ናብ ዮሃንስ ምስ መጹ፡ ዮሃንስ ኰነኖም። ስለምንታይ፧

ምዕራፍ 12

የሱስ ተጠምቀ

የሱስ ሓጢኣት ዘይነበሮ ኽነሱ፡ ስለምንታይ እዩ ተጠሚቑ፧

ምዕራፍ 13

ካብቲ የሱስ ንፈተናታት እተዋጽኣሉ መገዲ ተምሃር

እቲ የሱስ ዘጋጠሞ ፈተና ብዛዕባ ድያብሎስ ክልተ ኣገዳሲ ሓቅታት የረጋግጽ።

ምዕራፍ 14

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብር ጀመረ

ነቶም ቀዳሞት ሽዱሽተ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ንመሲሕ ከም ዝረኸብዎ እንታይ ኣእሚንዎም፧

ምዕራፍ 15

ናይ መጀመርታ ተኣምር ገበረ

የሱስ ንኣዲኡ፡ ብእኣ ዘይኰነስ ብሰማያዊ ኣቦኡ ከም ዚምራሕ ነገራ።

ምዕራፍ 16

የሱስ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐንአ

ሕጊ ኣምላኽ እቶም ህዝቢ ንመስዋእቲ ዚዀኑ እንስሳታት ኪዕድጉ የፍቅደሎም ነይሩ እዩ። ስለምንታይ ደኣ እዩ የሱስ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ነጋዶ እተቘጥዖም፧

ምዕራፍ 17

ንኒቆዲሞስ ብለይቲ መሃሮ

ሰብ ‘ዳግም ተወሊዱ’ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

ምዕራፍ 18

የሱስ ወሰኸ፡ ዮሃንስ ከኣ ነከየ

ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ቀንኡ፡ ዮሃንስ ግና ኣይቀንአን።

ምዕራፍ 19

ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መሃራ

የሱስ ንዋላ ሓደ ነጊርዎ ዘይፈልጥ ነገር ነገራ።

ምዕራፍ 20

ኣብ ቃና ኻልኣይ ተኣምር ገበረ

የሱስ፡ 26 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኸሎ ንሓደ ቘልዓ ኣሕወየ።

ምዕራፍ 21

ኣብታ ኣብ ናዝሬት እትርከብ ምኵራብ

የሱስ እንታይ ስለ ዝበለ እዩ እቶም ደቂ ዓዱ ኪቐትልዎ ዝደለዩ፧

ምዕራፍ 22

ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ተጸውዑ

ኣብ ክንዲ ምግፋፍ ዓሳ፡ ካልእ ዓይነት ምግፋፍ ኺጅምሩ ጸውዖም።

ምዕራፍ 23

የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ዓበይቲ ግብርታት ገበረ

ነቶም ኣጋንንቲ ኼውጽኦም ከሎ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኺዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። ስለምንታይ፧

ምዕራፍ 24

ኣብ ገሊላ ኣገልግሎቱ ኣስፍሐ

ሰባት ምእንቲ ኼሕውዮም ኢሎም ናብ የሱስ ይመጹ ነይሮም፡ የሱስ ግና ኣገልግሎቱ ኻልእ ዝዓበየ ዕላማ ኸም ዘለዎ ገለጸ።

ምዕራፍ 25

ንሓደ ድዉይ ብርሕራሐ ኣሕወዮ

እተን የሱስ እተዛረበን ቀለልቲ ግናኸ ሓያላት ቃላት፡ የሱስ ብዛዕባ እቶም ዜሕውዮም ሰባት ናይ ሓቂ ኸም ዚግደስ የረጋግጻ።

ምዕራፍ 26

“ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ”

ኣብ መንጎ ሓጢኣትን ሕማምን እንታይ ምትእስሳር ከም ዘሎ እዩ የሱስ ዘርኣየ፧

ምዕራፍ 27

ማቴዎስ ተጸውዐ

የሱስ ምስቶም ሓጥኣን ብምዃኖም ዚፍለጡ ዝነበሩ ሰባት ዝበልዐ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 28

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዘይጾሙ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ ንኣሕርብቲ ኸም ምሳሌ ተጠቂሙ መልሲ ሃበ።

ምዕራፍ 29

ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ይከኣል ድዩ፧

የሱስ ነቲ 38 ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ብምሕዋዩ፡ ኣይሁድ ዝሰጐጕዎ ስለምንታይ እዮም፧

ምዕራፍ 30

የሱስ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና

ኣይሁድ ንየሱስ፡ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ከም ዘመዓራረየ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ፣ የሱስ ግና ኣምላኽ ካብኡ ኸም ዚዓቢ ኣነጺሩ እዩ።

ምዕራፍ 31

ብሰንበት ሰዊት ቀንጠቡ

የሱስ፡ ንሱ “ጐይታ ሰንበት” ከም ዝዀነ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 32

ብሰንበት እንታይ እዩ ተፈቒዱ፧

እቶም ከም ልሙድ ንሓድሕዶም ዚጻረሩ ዝነበሩ ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን፡ ንሓደ ዕላማ ግና ሓበሩ።

ምዕራፍ 33

ትንቢት ኢሳይያስ ፈጸመ

የሱስ ነቶም ዘሕወዮም ሰባት ብዛዕባ መንነቱ ወይ ብዛዕባ እቲ ዝገበረሎም ነገር ንኻልኦት ከይነግሩ ዜጠንቅቖም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 34

የሱስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ

ኣብ መንጎ ሃዋርያን ወደ መዝሙርን ዘሎ ፍልልይ እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 35

እቲ ውሩይ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

ቀንዲ ነጥብታት ስብከት የሱስ እንታይ ምዃኑ ፍለጥ።

ምዕራፍ 36

ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዓባይ እምነት ኣርኣየ

እንታይ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ዝገበሮ ነገር እዩ ንየሱስ ኣገሪምዎ፧

ምዕራፍ 37

የሱስ ንሓንቲ መበለት ወዳ ኣተንስኣላ

እቶም ነዚ ተኣምር እዚ ዝረኣዩ ሰባት፡ እቲ ተኣምር ዘለዎ ትርጉም ተገንዘቡ።

ምዕራፍ 38

ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ

ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ፡ መሲሕ እንተ ዀይኑ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 39

እቲ ዘይሰምዕ ወለዶ ወይለኡ

ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብታ መበገሲቱ ዝነበረት ቅፍርናሆም፡ ንሶዶም ከም ዚቐልላ፡ የሱስ ተዛረበ።

ምዕራፍ 40

ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣት እተዋህበ ትምህርቲ

የሱስ ንሓንቲ ኣመንዝራ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ሰበይቲ፡ ሓጢኣታ ኸም እትሓድገላ ምዝራቡስ፡ ሕግታት ኣምላኽ ምጥሓስ ጌጋ ኸም ዘይብሉ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

ምዕራፍ 41

ብናይ መን ሓይሊ እዩ ተኣምራት ዝገበረ፧

ኣሕዋት የሱስ፡ የሱስ እተጸለለ መሰሎም።

ምዕራፍ 42

የሱስ ንፈሪሳውያን ገንሖም

“ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ” እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 43

ምሳሌታት መንግስቲ ኣምላኽ

የሱስ ንእተፈላለየ መዳያት መንግስተ ሰማያት ንምግላጽ፡ ሸሞንተ ምሳሌታት መሰለ።

ምዕራፍ 44

የሱስ፡ ማዕበል ኣህድአ

የሱስ ንንፋስን ንማዕበል ኬህድእ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቱ ዚህሉ ህይወት፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሂሩ እዩ።

ምዕራፍ 45

ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣጋንንቲ ስልጣን ነበሮ

ንሰብ ብዙሓት ኣጋንንቲ ኺሓድርዎ ይኽእሉ ድዮም፧

ምዕራፍ 46

ክዳን የሱስ ተንክያ ሓወየት

ኣብቲ ልቢ ዚትንኪ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ሓይሉን ርሕራሐኡን ኣርአየ።

ምዕራፍ 47

ሓንቲ ጓል ተንስአት!

የሱስ እታ ሞይታ ዝነበረት ጓል፡ ከም ዝደቀሰት እምበር ከም ዘይሞተት ምስ ተዛረበ፡ እቶም ሰባት ሰሓቕዎ። እቲ ንሳቶም ዘይፈልጥዎ ንሱ ግና ዚፈልጦ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧

ምዕራፍ 48

ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ፡ ሰብ ናዝሬት ኣይተቐበልዎን

ሰብ ናዝሬት ንየሱስ ብምኽንያት ትምህርቱን ተኣምራቱን ዘይኰነስ፡ ብኻልእ ምኽንያት ኣይተቐበልዎን።

ምዕራፍ 49

ኣብ ገሊላ ሰበኸ፡ ንሃዋርያት ድማ ኣሰልጠኖም

“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ምዕራፍ 50

መስጐጕቲ እኳ እናሃለወ፡ ኪሰብኩ ኣዳለዎም

ሃዋርያት ሞት ኪፈርሁ ዘይብሎም እንተ ዀይኖም፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ የሱስ ኣብ ሓደ ኸተማ እንተ ተሰጒጐም ናብ ካልእ ኪሃድሙ ዝነገሮም፧

ምዕራፍ 51

ብመዓልቲ ልደት እተገብረ ቕትለት

ሄሮድስ ብሳዕስዒት ሰሎሜ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ ድሌታ ኺህባ ቓል ኣተወላ። ንሳ ግና እንታይ ዜስካሕክሕ ሕቶ እያ ዘቕረበት፧

ምዕራፍ 52

ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኣሽሓት መገበ

እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምር ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምንባሩ፡ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌል ተጻሒፉ ይርከብ።

ምዕራፍ 53

ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ዚቈጻጸር ገዛኢ

የሱስ ብማየ ማይ ምኻዱን ነቲ ንፋስ ምህዳኡን፡ እቶም ሃዋርያት እንታይ ትምህርቲ ረኸቡ፧

ምዕራፍ 54

የሱስ—“እንጌራ ህይወት”

የሱስ ነቶም ብዙሕ ጽዒሮም ናብኡ ዝመጹ ሰባት ዝገሰጾም ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 55

ቃላት የሱስ ንብዙሓት ኣሰምበዶም

የሱስ፡ ሓደ ኣዝዩ ዜሰንብድ ነገር ስለ ዝመሃረ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ጠንጢኖምዎ ኸዱ።

ምዕራፍ 56

ንሰብ ዜርክሶ እንታይ እዩ፧

ብኣፍ ዚኣቱ ነገር ድዩ ወይስ ካብ ኣፍ ዚወጽእ፧

ምዕራፍ 57

የሱስ ንሓንቲ ጓልን ንሓደ ጸማምን ኣሕወየ

እታ ሰበይቲ፡ የሱስ ንህዝባ ምስ ኰራኹር ብምውድዳሩ ዘይጐሃየት ስለምንታይ እያ፧

ምዕራፍ 58

ንኣሽሓት መገበ፡ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ድማ ኣጠንቀቐ

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ማይ ብሑቝ ይዛረብ ከም ዝነበረ ጸኒሑ ተረድኦም።

ምዕራፍ 59

ወዲ ሰብ መን እዩ፧

መፋትሕ መንግስተ ሰማያት እንታይ እየን፧ መን እዩ ዚጥቀመለን፧ ብኸመይከ፧

ምዕራፍ 60

ክርስቶስ ትርኢቱ ተለወጠ—ብኽብሩ ተራእየ

እቲ ትርኢት የሱስ እተለወጠሉ ራእይ፡ እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧

ምዕራፍ 61

የሱስ፡ ጋኔን ንዝሓደሮ ወዲ ኣሕወዮ

እቲ ወዲ ዘይሓወየሉ ምኽንያት ብሰንኪ ጕድለት እምነት ምዃኑ የሱስ ተዛረበ። ግናኸ ናይ መኖም እምነት እያ ጐዲላ፡ ናይቲ ወዲ፧ ናይ ኣቦኡ፧ ወይስ ናይ ደቀ መዛሙርቱ፧

ምዕራፍ 62

ኣገዳሲ ትምህርቲ ትሕትና

ዓበይቲ ሰብኡት ካብ ሓደ ቘልዓ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተማህሩ።

ምዕራፍ 63

የሱስ ብዛዕባ መዐንቀፍን ሓጢኣትን ምኽሪ ሃበ

ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዚፍጠር ሽግር ብሰለስተ ደረጃ ኪፍታሕ ከም ዚግባእ ሓቢሩ።

ምዕራፍ 64

ኣገዳስነት ይቕረታ

የሱስ ብዛዕባ ዘይምሕር ባርያ ምሳሌ ብምምሳል፡ ንኻልኦት ይቕረ ምባልና ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣርዚኑ ኸም ዚርእዮ መሃረ።

ምዕራፍ 65

ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ኸለዉ መሃሮም

ኣብተን የሱስ ምስ ሰለስተ ሰባት ዝገበረን ዝርርባት፡ ሓደ ሰብ ንየሱስ ከም ዘይስዕቦ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ምዃኑ ተገሊጹ እዩ።

ምዕራፍ 66

በዓል ዳስ ኣብ የሩሳሌም

እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ጋኔን ዝሓደሮ ዝመሰሎም ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 67

“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”

ዳርጋ ብምሉኦም ኣባላት ቤት ፍርዲ ኣይሁድ፡ ንየሱስ ተጻረርዎ። ሓደ ኻባታቶም ግና ንየሱስ ደጊፉ ተዛረበ።

ምዕራፍ 68

“ብርሃን ዓለም”—ወዲ ኣምላኽ

የሱስ፡ ‘እታ ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ’ በለ። ግናኸ፡ ካብ ምንታይ እያ ሓራ እተውጽእ፧

ምዕራፍ 69

ኣቦኦም ኣብርሃም ድዩ ወይስ ድያብሎስ፧

የሱስ፡ ውሉዳት ኣብርሃም ብኸመይ ከም ዚልለዩን ናይ ሓቂ ኣቦኡ መን ምዃኑን ገለጸ።

ምዕራፍ 70

የሱስ ንሓደ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ኣሕወዮ

እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ሰብኣይ ስለምንታይ ብዕዉሩ ኸም እተወልደ ሓተቱ። ንሱ ወይስ ወለዱ ስለ ዝሓጥኡ ድዩ፧ የሱስ ምስ ኣሕወዮ ድማ ሰባት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኣሕደሩ።

ምዕራፍ 71

ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ተጻረርዎ

እቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ዜቕረቦ መርትዖ ነቶም ፈሪሳውያን ኣቘጥዖም። ከምቲ እቶም ወለዱ ዝፈርህዎ ኸኣ ካብ ምኵራብ ሰጐጕዎ።

ምዕራፍ 72

የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ለኣኾም

ኣብ ይሁዳ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቲ በብኽልተ ገይሩ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ለኣኾም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ንሰባት ኣበይ ኪረኽቡ እዩ እተነግሮም፧ ኣብ ምኵራባት ወይስ ኣብ ኣባይቶም፧

ምዕራፍ 73

ሓደ ሳምራዊ ናይ ሓቂ ብጻይ ኰነ

የሱስ፡ ነቲ ብዛዕባ ሓደ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ዝመሰሎ ምሳሌ፡ እንታይ ሓያል ትምህርቲ ንምምሃር እዩ ተጠቒምሉ፧

ምዕራፍ 74

ብዛዕባ እንግዶትን ጸሎትን እተዋህበ ትምህርቲ

የሱስ ንማርያምን ንማርታን በጽሐን። ኣብኡኸ ብዛዕባ እንግዶት እንታይ መሃረን፧ ጸኒሑ ንወደ መዝሙሩ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ መሃሮ፧

ምዕራፍ 75

የሱስ ምንጪ ሓጐስ ገለጸ

የሱስ ነቶም ነቐፍቱ ብዛዕባ “ኣጻብዕ ኣምላኽ”ን መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ደበኽ ከም ዝበለቶምን ብምንጋር መልሲ ሃቦም። ሰባት ብኸመይ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ እውን መሃረ።

ምዕራፍ 76

ምስ ሓደ ፈሪሳዊ በልዐ

የሱስ ንግብዝና እቶም ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ኣቃልዐ። ንሳቶም ነቶም ህዝቢ እንታይ ከቢድ ጾር ኪስከሙ እዮም ዜገድድዎም ዝነበሩ፧

ምዕራፍ 77

የሱስ ብዛዕባ ሃብቲ ምኽሪ ሃበ

የሱስ፡ ማዕከናቱ ኣግፊሑ ብዛዕባ ዝሰርሐ ሃብታም ሰብኣይ ምሳሌ መሰለ። ብዛዕባ እቲ ደድሕሪ ሃብቲ ምጕያይ ዘለዎ ሓደጋ እንታይ ምኽሪ እዩ ደጊሙ ዝሃበ፧

ምዕራፍ 78

ኣታ እሙን መጋቢ፡ ድሉው ኩን!

የሱስ ብዛዕባ መንፈሳውነት ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ተገዳስነት ኣርአየ። እቲ መጋቢ ኣብ መንፈሳውነት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዚህልዎ ግደ እንታይ እዩ፧ እቲ ድሉው ብዛዕባ ምዃን እተዋህበ ምኽሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 79

ጥፍኣት እቶም ዘይኣምኑ ኣይሁድ ቀሪቡ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ነቶም ዚምህሮም ዝነበረ ሰባት እንተ ዘይተነሲሖም ኪጠፍኡ ምዃኖም ነገሮም። ኣገዳስነት እቲ ምስ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎም ርክብ ዝመሃሮም ትምህርትስ ይርድኦምዶ ይኸውን፧

ምዕራፍ 80

እቲ ሕያዋይ ጓሳን ደምበታት ኣባጊዕን

የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ዚስምዖ ስምዒት በቲ ኣብ መንጎ ጓሳን መጓሰኡን ዘሎ ርክብ ተመሲሉ ኣሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንትምህርትታቱ ኣስተብሂሎም ይስዕብዎ ደዀን ይዀኑ፧

ምዕራፍ 81

ምስ ኣቦ ሓደ ኽነሱ፡ ኣምላኽ ኣይኰነን

ገሊኦም ነቐፍቲ፡ የሱስ ንርእሱ ማዕረ ኣምላኽ ከም ዝገበረ ገይሮም ከሰስዎ። ንሱ ግና ነቲ ክሶም ጌጋ ምዃኑ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 82

የሱስ ኣብ ጴርያ ዝገበሮ ኣገልግሎት

የሱስ ንሰማዕቱ፡ ድሕነት ንምርካብ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ገለጸሎም። እቲ ንሱ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብቲ ግዜ ኣገዳስነት ነበሮ። ሎሚኸ፧

ምዕራፍ 83

ኣምላኽ ንመን እዩ ዚዕድም፧

የሱስ ኣብ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ተዓዲሙ ኸሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ዓብዪ ድራር ምሳሌ መሰለ። ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ዚኸውን ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ድማ መሃረ። እዚ ትምህርቲ እዚ እንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 84

ወደ መዝሙር ምዃን ዜምጽኦ ሓላፍነት

ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃን ከቢድ ሓላፍነት የምጽእ እዩ። የሱስ እዚ እንታይ ከም ዜጠቓልል ብዝርዝር ገለጸ። ገለ ኻብቶም ሰዓብቱ ኪዀኑ ዚደልዩ ዝነበሩ ድማ በቲ ንሱ እተዛረቦ ሰምቢዶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ምዕራፍ 85

ብዚንሳሕ ሓጥእ ዚርከብ ሓጐስ

የሱስ ምስቶም ተራ ህዝቢ ስለ ዝቐረበ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነቐፍዎ። ንሱ ድማ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጥኣን ዘለዎ ኣረኣእያ ንምብራህ ምሳሌታት መሰለ።

ምዕራፍ 86

እቲ ዝጠፍአ ወዲ ተመልሰ

ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘራዊ ወዲ ዝመሰሎ ምሳሌ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ምዕራፍ 87

ኣርሒቕኩም ሓሲብኩም ተጣበቡ

የሱስ ብዛዕባ ሓደ ብልሹው ኣመሓዳሪ ቤት ብዝመሰሎ ምሳሌ ገይሩ፡ ሓደ ዜገርም ሓቂ መሃረ።

ምዕራፍ 88

ነቲ ሃብታም ሰብኣይን ንኣልኣዛርን ዘጋጠሞም ለውጢ

ትርጉም እታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ንምርዳእ፡ እቶም ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሱ ኽልተ ሰባት ንመን ከም ዜመልክቱ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ምዕራፍ 89

ናብ ይሁዳ ኪኸይድ ከሎ ኣብ ጴርያ መሃረ

የሱስ ደጋጊሞም ንዝበደሉና እኳ ኽንሓድገሎም ዚሕግዝ ባህርይ ኣጕልሐ።

ምዕራፍ 90

“ትንሳኤን ህይወትን”

የሱስ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ “ከቶ ኣይኪመውትን እዩ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ምዕራፍ 91

ኣልኣዛር ተንስአ

ክልተ ኣገዳሲ መዳያት እዚ ፍጻመ እዚ፡ እቶም ተቓወምቱ እኳ ኸይተረፉ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ከም ዘይክሕዱ ገይርዎም እዩ።

ምዕራፍ 92

ዓሰርተ ድዉያት እኳ እንተ ሓወዩ፡ ሓደ ጥራይ ኣመስገነ

እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፡ ንየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልእ እውን ኣመስጊኑ እዩ።

ምዕራፍ 93

ወዲ ሰብ ኪግለጽ እዩ

ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ምስ በርቂ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 94

ኣድላይነት ጸሎትን ትሕትናን

የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ሓንቲ መበለትን ሓደ ዓማጺ ፈራድን ዝመሰሎ ምስላ፡ ኣድላይነት ሓደ ባህርይ ኣጕሊሑ።

ምዕራፍ 95

ብዛዕባ ፍትሕን ፍቕሪ ቘልዑን መሃረ

የሱስ ብዛዕባ ቘልዑ ዘለዎ ኣረኣእያ ኻብቲ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮም ኣረኣእያ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧

ምዕራፍ 96

የሱስ ንሓደ ሃብታም ጐበዝ መለሰሉ

የሱስ፡ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ከም ዚቐልል እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 97

ምሳሌ እቶም ሰብ ውዕለት ኣታኽልቲ ወይኒ

እቶም ቀዳሞት ዳሕሮት፡ እቶም ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧

ምዕራፍ 98

ሃዋርያት መሊሶም ምርኡይ ቦታ ደለዩ

ያእቆብን ዮሃንስን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ፍሉይ ቦታ ኺውሃቦም ሓተቱ፣ ከምኡ ዚደልዩ ዝነበሩ ግና ንሳቶም ጥራይ ኣይነበሩን።

ምዕራፍ 99

የሱስ ዕዉራት ኣሕወየ፡ ንዘኬዎስ ከኣ ሓገዞ

እቲ ዚጋጮ ዚመስል ጸብጻብ እቲ የሱስ ኣብ ጥቃ ያሪኮ ንሓደ ዕዉር ብምሕዋይ ዝገበሮ ተኣምር፡ ንሓድሕዱ ኺሳነ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 100

ምሳሌ እተን ዓሰርተ ምና

የሱስ፡ “ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እውን የግድፍዎ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ምዕራፍ 101

ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን እተገብረ ድራር

ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር ክርክር ዘልዓለ ነገር ገበረት፣ የሱስ ግና ተጣበቐላ።

ምዕራፍ 102

ንጉስ ኣብ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ

ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት እተነግረ ትንቢት ፈጸመ።

ምዕራፍ 103

ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኣጽረያ

እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ነጋዶ፡ ኣብ ቤተ መቕድስ ኪነግዱ ብሕጊ ተፈቒድሎም እኳ እንተ ነበረ፡ ስለምንታይ እዩ የሱስ ጐሓሉ ዝበሎም፧

ምዕራፍ 104

ኣይሁድ ድምጺ ኣምላኽ ምስ ሰምዑ፡ ኣሚኖምዶ፧

ኣብ መንጎ ብየሱስ ምእማንን ነታ እምነት ብግብሪ ምርኣይን ፍልልይ ኣሎዶ፧

ምዕራፍ 105

ብኦም በለስ ገይሩ ብዛዕባ እምነት መሃረ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እምነት ብዛዕባ ዘለዋ ሓይልን ኣምላኽ ስለምንታይ ንህዝቢ እስራኤል ኸም ዝሓደጎምን መሃሮም።

ምዕራፍ 106

ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ እተመሰለ ኽልተ ምሳሌ

ትርጉም ምሳሌ እቲ ንኽልተ ደቁ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ወፊሮም ኪዓይዩ ዝሓተቶም ሰብኣይን ምሳሌ እቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ንእኩያት ሓረስቶት ብመገስ ዝሃበ ሰብኣይን ፍለጥ።

ምዕራፍ 107

ሓደ ንጉስ ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ዕዱማት ጸውዖም

የሱስ በቲ ምሳሌ ገይሩ ትንቢት ተነበየ።

ምዕራፍ 108

የሱስ ነቲ ብዘረባኡ ኺጠልፍዎ ዝገበርዎ ፈተነ ኣፍሸሎ

የሱስ፡ መጀመርታ ንፈሪሳውያን፡ ደሓር ንሰዱቃውያን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ብሓባር ዝመጹ ተጻረርቱ ኣፎም ኣትሓዞም።

ምዕራፍ 109

ንተጻረርቱ ዀነኖም

የሱስ ንሃይማኖታዊ ፍልልይ ተጻዋርነት ዘየርኣየ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 110

የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ

የሱስ ብኣብነት ሓንቲ ድኻ መበለት ገይሩ ሓያል ትምህርቲ መሃረ።

ምዕራፍ 111

ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ

እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ናይ መጀመርታ ፍጻመኡ ረኺቡ እዩ። እቲ ትንቢት እቲ ጸኒሑ ዝዓበየ ፍጻመ ይህልዎ ደዀን ይኸውን፧

ምዕራፍ 112

ብዛዕባ ንቕሓት እተዋህበ ትምህርቲ—ደናግል

የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ፍርቆም ዓያሹ፡ ፍርቆም ግና ለባማት ከም ዝዀኑ ድዩ ዝዛረብ ነይሩ፧

ምዕራፍ 113

ብዛዕባ ትግሃት እተዋህበ ትምህርቲ—ታለንት

እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ነቲ “ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ የብርሆ እዩ።

ምዕራፍ 114

ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ይፈርድ

የሱስ ብምሳሌ ገይሩ ንናይ ዘለኣለም ፍርዲ እንታይ መሰረት ከም ዚኸውን ገለጸ።

ምዕራፍ 115

እቲ የሱስ ንመወዳእታኡ ዘብዓሎ ፋስጋ ቐረበ

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህቦም ንይሁዳ ልክዕ 30 ብሩር ምቕራቦም ዜገርም ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 116

ኣብቲ ንመወዳእታኡ ዘብዓሎ ፋስጋ ብዛዕባ ትሕትና መሃረ

የሱስ ሓደ ባርያ ዚዓይዮ ዕዮ ብምዕያይ ንሃዋርያቱ ኣሰምበዶም።

ምዕራፍ 117

ድራር ጐይታ

የሱስ፡ ሰዓብቱ ዓመት ዓመት ብ14 ኒሳን ዜብዕልዎ በዓል ዝኽሪ ኣቘመ።

ምዕራፍ 118

መኖም ከም ዚዓቢ ተኸራኸሩ

ሃዋርያት ነቲ የሱስ በታ ምሸት እቲኣ ዝመሃሮም ትምህርቲ ድሮ ረሲዖምዎ ነበሩ።

ምዕራፍ 119

የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን

የሱስ ብኸመይ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ከም ዚከኣል፡ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ መሃረ።

ምዕራፍ 120

ደቀ መዛሙርቲ ፍረ ኺፈርዩን ኣዕሩኽ የሱስ ኪዀኑን ይግባእ

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ‘ፍረ ዚፈርዩ’ ብኸመይ እዮም፧

ምዕራፍ 121

“ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ”

ዓለም ቐቲላቶ ኽነሳስ፡ የሱስ ንዓለም ዝሰዓራ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ 122

የሱስ ኣብታ ደርቢ ዝጸለዮ ናይ መዛዘሚ ጸሎት

የሱስ፡ ንደቂ ሰብ ድሕነት ካብ ምምጻእ ንላዕሊ ዝያዳ ዜገድስ ነገር ከም ዝገበረ ገለጸ።

ምዕራፍ 123

ኣዝዩ ጕህዩ ኸሎ ጸለየ

ስለምንታይ እዩ የሱስ፡ “ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ” ኢሉ ዝጸለየ፧ ካብቲ መስዋእታዊ በጃ ዀይኑ ኺመውት እተዋህቦ ግደ ኬድሓርሕር ስለ ዝደለየ ድዩ፧

ምዕራፍ 124

ክርስቶስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን

ዋላ እኳ ለይቲ እንተ ነበረ፡ ይሁዳ ንየሱስ ደልዩ ረኸቦ።

ምዕራፍ 125

የሱስ ቅድም ናብ ሃና፡ ደሓር ናብ ቀያፋ ተወስደ

እቲ እተገብረ መስርሕ ፍርዲ የሱስ ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ።

ምዕራፍ 126

ጴጥሮስ ኣብ እንዳ ቀያፋ ኸሓደ

እቲ እምነት ዝነበሮን ውፉይ ዝነበረን ጴጥሮስ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ንየሱስ ክሒድዎ፧

ምዕራፍ 127

በቲ ዋዕላ ተመርመረ፡ ድሕሪኡ ናብ ጲላጦስ ተወስደ

መራሕቲ ኣይሁድ ነቲ ናይ ሓቂ ድሌቶም ኣግሃድዎ።

ምዕራፍ 128

ጲላጦስን ሄሮድስን ገበን ኣይረኸቡሉን

ጲላጦስ ንየሱስ ናብ ሄሮድስ ዝሰደዶ ስለምንታይ እዩ፧ ጲላጦስ ንየሱስ ኪፈርዶ ስልጣን ስለ ዘይነበሮ ድዩ፧

ምዕራፍ 129

ጲላጦስ፡ “እንሆ፡ እቲ ሰብኣይ!” በለ

ጲላጦስ እውን ከይተረፈ፡ የሱስ ብሉጽ ባህርያት ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ እዩ።

ምዕራፍ 130

የሱስ ኪቕተል ኣሕሊፍካ ተዋህበ

የሱስ ነተን ዜልቅሳ ዝነበራ ኣንስቲ፡ ካብ ንዕኡ ንርእሰንን ንደቀንን ክበኽያ ዝነገረን ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 131

ሓደ ንጹህ ንጉስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ተሰቕለ

የሱስ ንሓደ ኻብቶም ምስኡ እተሰቕሉ ገበነኛታት ቃል ኣተወሉ።

ምዕራፍ 132

“እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ”

ገና ቐትሪ ኸሎ ብተኣምራዊ መገዲ ምጽልማቱ፡ ምድሪ ምንቅጥቃጣ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ ምትርታሩ፡ ናብ ሓደ መደመደምታ እዩ ዜብጽሕ።

ምዕራፍ 133

የሱስ ተቐብረ

የሱስ፡ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ኪቕበር ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

ምዕራፍ 134

እቲ መቓብር ጥራዩ ጸንሐ—የሱስ ህያው ኰነ!

የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ መጀመርያ ንሃዋርያቱ ዘይኰነስ ንሓንቲ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ እዩ ርእሱ ገሊጹ።

ምዕራፍ 135

የሱስ ምስ ተንስአ፡ ንብዙሓት ተራእዮም

የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኣረጋገጸሎም፧

ምዕራፍ 136

ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ

ጴጥሮስ ንየሱስ ከም ዜፍቅሮ ብኸመይ ኬርኢ ኸም ዚኽእል ሰለስተ ሳዕ መዛኻኸሪ ተዋህቦ።

ምዕራፍ 137

ቅድሚ ጰንጠቈስጠ ኣማእታት ረኣይዎ

የሱስ ካብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኡን ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉን ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዚቅበሉን ነቲ እተቐበልዎ ድማ ብኸመይ ኪጥቀሙሉ ኸም ዚግባእን ደጋጊሙ ኣጕሊሑሎም።

ምዕራፍ 138

ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ

የሱስ ክሳዕ እቲ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ስጕምቲ ዝወሰደሉ እዋን እንታይ ኪገብር ጸኒሑ፧

ምዕራፍ 139

የሱስ ንምድሪ ገነት ይገብራን እተዋህቦ ዕዮ ይውድእን

የሱስ ነታ መንግስቲ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ቅድሚ ምርካቡ፡ ብዙሕ ዚዓይዮ ዕዮ ኣለዎ።

ንየሱስ ንምምሳል፡ ነዚ ዚስዕብ ባህርያቱ ቕድሓዮ

የሱስ ኣብ ህይወቱ ብተደጋጋሚ ሸሞንተ ባህርያት ኣርእዩ እዩ።

መሐበሪ ጥቕሲ

በዚ መሐበሪ ተጠቒምካ፡ እቲ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ዘበለ ፍቕዲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹሉ ዘሎ ቦታ ርኸብ።

መሐበሪ ምሳሌታት (ምሳልያዊ ዛንታታት)

እቲ ምሳሌታት ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣበየናይ ምዕራፋት ከም እተገልጸ ርኸብ።

ገለ ኻብ መሲሓዊ ትንቢታት

ኣብ ህይወት የሱስ ዝዀነ ነገራት ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣን ኣበይ ከም ዚርከብ።

የሱስ ዝነበረሉን ዝመሃረሉን ቦታታት

እዚ ካርታ እዚ እቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ዚፈጸመሉ ቦታታት የርኢ።