ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪግዕዝ ተወሲኑ
ኣብ ሓምለ 2009፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈቶም ኬግዕዙ ስለ ዝሓሰቡ፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ኒው ዮርክ መሬት ዓዲጎም ኣለዉ። እቲ 102 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት፡ ካብቲ ኻብ 1909 ኣትሒዞም ኪጥቀሙሉ ዝጸንሑ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ህንጻታት፡ ብሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 80 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ይርከብ።
እቲ ሓድሽ ህንጻታት፡ ኣብያተ ጽሕፈትን ኣገልግሎት ዚህብ ህንጻታትን ኣርባዕተ መንበሪ ህንጻታትን ዝሓዘ ዀይኑ፡ ኣስታት 800 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብኡ ኺነብሩን ኪዓይዩን እዮም። ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓዘ ንእሽቶ ቤተ መዝክር እውን ኪህልዎ እዩ።
እቲ ህንጻታት ኣብ 18 ሄክታር እቲ እተዓደገ መሬት ኪዓርፍ እዩ፣ እቲ ዝተረፈ ዱርን ብማይ እተሸፈነ መሬትን ከም ዘለዎ ኺጸንሕ እዩ። ነቲ ኸባቢ ንምጽብባቑ ኣብ እተታሕዘ መደብ፡ ሰፊሕ ዚዕጸድ ሳዕሪ ኣይክህሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቲ ኣግራብ ዝበዝሖ ኸባቢ ብዚሳነ መገዲ ኺጸባበቕ እዩ።
ነደፍቲ ነቲ ህንጻታት ጸዓት ከም ዚቝጥብን ብዙሕ ሃብቲ ኸም ዘየህልኽን ገይሮም እዮም ነዲፎምዎ፣ ስለዚ፡ ኣብ ኣከባቢ ብዙሕ ጽልዋ ዘይህልዎን ብሒደት ወጻኢታት ክትነብረሉ እትኽእልን ኰይኑ እዩ ኺስራሕ። ንኣብነት፡ ናሕሲ እቲ ህንጻታት ብኣትክልቲ እዩ ኺሽፈን፣ እዚ ኣትክልቲ እዚ ድማ ብዙሕ ክንክን ዘየድልዮ ድልዱል ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ግዜ ዝናም ብዙሕ ማይ ከይውሕዝ ይከላኸል፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻታት ዘሎ መጠን ሙቐት ከኣ ምሹእ ይገብሮ። ንድፊ እቲ ኣብያተ ጽሕፈት እውን ንተፈጥሮኣዊ ብርሃን ኣጸቢቑ ኸም ዚጥቀመሉ ዀይኑ እዩ ተዳልዩ። ብዘይካዚ፡ ንቝጠባ ማይ ልዑል ኣትኵሮ ተዋሂብዎ ኣሎ።
ስለምንታይ እዩ እቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኪግዕዝ ተወሲኑ፧ ሕጂ፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ብብሩክሊን ጥራይ ዚግበር ዝነበረ ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ይሳተፋ ኣለዋ። ብ2004፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚግበር ዝነበረ ናይ ምሕታምን ናይ ምልኣኽን ዕዮ፡ ናብቲ ብሰሜናዊ ምዕራብ ብሩክሊን ኣስታት 145 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ግዒዙ እዩ።
ወጻኢታት እውን ኣብ ግምት ኣትዩ እዩ። ኣብ ብሩክሊን ምዕያይን ነቲ ህንጻታት ምክንኻንን ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዚሓትት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓደ ጥርኑፍ ህንጻታት ምግዓዞም፡ ነቲ ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድጋፍ ዚውፈ ገንዘብ ብዝሓሸ ኺጥቀሙሉ ኬኽእሎም እዩ።
ናይ መወዳእታ ፍቓድ ቅድሚ ምርካብና፡ ኣብ ኣከባቢ ዘሎ ጽልዋ ዳግም ይምርመር እዩ። ኵሉ ኸምቲ እተሓስበ እንተ ኸይዱ፡ ብ2013 ህንጸት ተጀሚሩ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኪዛዘም እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይካ እቲ ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ዘሎ ህንጻታት ሕትመት፡ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ እውን ማእከል ትምህርቲ ኣለዎም። ኣብ ሓያሎ ሃገራት እውን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣለዎ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብድምር ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮንን ፈረቓን ይዀኑ።