ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 12

ፋስጋንክርስትያናት ዘለዎ ኣገዳስነት

ፋስጋንክርስትያናት ዘለዎ ኣገዳስነት

12:5-7, 12, 13, 24-27

እስራኤላውያን በቲ ዓስራይ መዓት ምእንቲ ኸይጕድኡ፡ ንመምርሒታት ኪእዘዙ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 12:28) ምሸት 14 ኒሳን፡ በብስድራ ኣብ ኣባይቶም ኪእከቡ፡ ዓመት ዝገበረ ጥዑይ ተባዕታይ ገንሸል ወይ ጤል ኪሓርዱ፡ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዳውቶምን ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ኪነጽግዎ፡ ድሕሪኡ፡ ንብምሉኡ እቲ እንስሳ ጠቢሶም ቀልጢፎም ኪበልዕዎ ነበሮም። ክሳዕ ንግሆ ድማ ሓደ እኳ ኻብ ቤቱ ኺወጽእ ኣይነበሮን።—ዘጸ 12:9-11, 22

ሎሚ ተኣዛዝነት ኬዕቍበና ዚኽእለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧