ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 8-9

ካብ ትዕቢት ፈርኦን እንረኽቦ መለበሚ

ካብ ትዕቢት ፈርኦን እንረኽቦ መለበሚ

8:15, 18, 19፣ 9:15-17

ፈርኦናት ግብጺ ንርእሶም ከም ኣማልኽቲ እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። እዚ ድማ፡ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ኰነ ነቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናቱ፡ ከይሰምዕ እተዓበየሉ ምኽንያት ክንርዳእ ይሕግዘና።

ርእይቶ ኺውሃበካ ኸሎ ጽን ኢልካ ትሰምዕ ዲኻ፧ ሓደ ሰብ ምስ ዚመኽረካ ተመስግን ዲኻ፧ ወይስ ኵሉ ሳዕ ቅኑዕ ከም ዝዀንካ እዩ ዚስምዓካ፧ “ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ።” (ምሳ 16:18) ካብ ትዕቢት ክንሕሎስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!