13-19 ሓምለ

ዘጸኣት 8-9

13-19 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • ካብ ትዕቢት ፈርኦን እንረኽቦ መለበሚ”፦ (10 ደቒቕ)

    • ዘጸ 8:15—ፈርኦን ልቡ ኣትረረ፣ ንሙሴን ኣሮንን ከኣ ኣይሰምዖምን (it-2 1040-1041)

    • ዘጸ 8:18, 19—እቶም ስሒር ዚገብሩ ኻህናት ፍሽለቶም እኳ እንተ ኣመኑ፡ ፈርኦን ግና ኣይኣመነን

    • ዘጸ 9:15-17—የሆዋ ንፈርኦን ኣንቢሩ ንስሙ ኣዕበዮ (it-2 1181 ¶3-5)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)

    • ዘጸ 8:21—ጽንጽያ ኸልቢ እንታይ እዩ፧ (it-1 878)

    • ዘጸ 8:25-27—ሙሴ እቲ እስራኤላውያን ዚስውእዎ፡ “ኣብ ግብጻውያን ፍንፉን” ምዃኑ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (w04 15/3 25 ¶9)

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ዘጸ 8:1-19 (th መጽናዕቲ 12)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ቪድዮ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ፣ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦ እታ ኣስፋሒት፡ ንተቓውሞ እታ ብዓልቲ ቤት፡ ምላሽ ዝሃበትሉ ብኸመይ እያ፧ እታ ኣስፋሒት ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ሕታም ብኸመይ ከተላሊ ምኸኣለት፧

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ተጠቐመሉ። (th መጽናዕቲ 6)

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ድማ ምላሽ ሃበሉ። (th መጽናዕቲ 3)

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕታም ኣበርክት። (th መጽናዕቲ 12)

ክርስትያናዊ ህይወት