ክትኣምኖ ይግብኣካዶ ኢዩ፧
ክትኣምኖ ይግብኣካዶ ኢዩ፧
ኣብ ስላሴ ትኣምንዶ ኢኻ፧ መብዛሕትኦም ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዘለዉ ሰባት ይኣምኑ ኢዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንዘበናት ዝኣክል ናይ ኣብያተ-ክርስትያናት ቀንዲ ሰረተ-እምነት ኰይኑ ዓይዩ ኢዩ።
ነዚ ብምርኣይ: ብዛዕባ ስላሴ ዘጠራጥር ነገር ክህሉ ኣይክእል ኢዩ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ይኹን እምበር ዘጠራጥር ነገር ኣለዎ: አረ ኣብዚ ቀረባ ግዜስ ገለ ካብቶም ደገፍቱ ነቲ ክርክር ዘናኽስ ነገር ወሲኾምሉ ኢዮም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርእስቲ ብቐሊሉ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ የሱስ ባዕሉ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ስለ ዝበለ ኢዩ። ስለዚ: ጠቕላላ መጻኢና ኣብ እንታይነት ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምፍላጥ እተመርኰሰ ኢዩ: እዚ ማለት ድማ ነቲ ቀንዲ ሱር ናይ ስላሴ ክርክር ምርካብ ማለት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ስለምንታይ ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧—ዮሃንስ 17:3
እተፈላለዩ ናይ ኣመንቲ ስላሴ ሓሳባት ኣለዉ። እንተዀነ ግን: እቲ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ስላሴ: ኣብቲ ቀንዲ ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ማለት ኣቦ: ወዲ: ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ኣለዉ፣ ብሓባር ግን ሓደ ኣምላኽ ኢዮም ዝብል ኢዩ። እቲ ሰረተ-እምነት ሰለስቲኦም ማዕረ: ኵሉ ዝኽእሉ: ከምኡውን ኣብቲ ቀንዲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዝነብሩ ዘይተፈጥሩ ኢዮም ዝብል ኢዩ።
ይኹን እምበር: ካልኦት ድማ ሰረተ-እምነት ስላሴ ሓሶት ኢዩ: እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ሓደ በይኑ ፍሉይ: ዘለኣለማዊ: ከምኡውን ምሉእ ሓይሊ ዘለዎ ኣካል ኢዩ ይብሉ። የሱስ ከም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ: ከም መላእኽቲ ብኣምላኽ እተፈጥረ ሓደ እተፈልየ መንፈሳዊ ኣካል ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ድማ ናይ ግድን መጀመርያ ክህልዎ ኣለዎ ይብሉ። የሱስ ብዝዀነ ይኹን መገዲ: ማዕረ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ፈጺሙ ኰይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ፣ ኵሉ ግዜ ንኣምላኽ ምስ ተገዝአ ኢዩ: ጌና ድማ ይግዝኦ ኢዩ ዘሎ ኢሎም ይምህሩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣካል ዘይኰነስ: መንፈስ ኣምላኽ: መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ።
ደገፍቲ ስላሴ: እቲ ትምህርቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ልምዲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እተመስረተ ኢዩ ይብሉ። ነዚ ሰረተ-እምነት እዚ ዝነቕፉ ሰባት ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣይኰነን ኢዮም ዝብሉ: አረ ሓደ ናይ ታሪኽ ምንጭስ “መበቈል ናይ [ስላሴ] ብሱሩ ካብ ኣረማውያን ኢዩ” ብምባል ገሊጹ ኢዩ።—ዘ ፓጋኒዝም ኢን ኣወር ክርስችያኒቲ
ስላሴ ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ: የሱስ ከም ክፍሊ ናይቲ ቀንዲ ኣምላኽ መጠን ማዕረ ኣምላኽ ኣይኰነን ክትብል ከሎኻ: ንዕኡ ዘዋርድ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ: ስላሴ ሓሶት እንተድኣ ዀይኑ: ንኣምላኽ ማዕሪኡ ዝዀነ ኣካል ኣለዎ: ካብኡ ዝገደደ ድማ ማርያም “ወላዲት ኣምላኽ” ኢያ ምባል ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዘዋርድ ኢዩ። ስላሴ ሓሶት እንተድኣ ዀይኑ: ከምቲ ኣብታ ካቶሊሲዝም እትበሃል መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ “[ሰባት] ነዚ እምነት እዚ ብምሉእን ብዘይምብልሻውን እንተዘይሒዞምዎ ብዘይጥርጥር ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም። እቲ ናይ ካቶሊክ እምነት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ንሕና ኣብ ስላሴ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ” ምባል ንኣምላኽ ዘዋርድ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: ስለምንታይ ብዛዕባ ስላሴ ዘሎ ሓቂ ክትፈልጥ ክትደሊ ከም ዝግባእ እኹል ዝዀነ ምኽንያታት ኣሎካ። እንተዀነ ግን: ምንጩን ሓቅነቱን ቅድሚ ምምርማር ነዚ ሰረተ-እምነት እዚ ዝያዳ ኣነጺርካ ምግላጹ ሓጋዚ ኢዩ። ብልክዕ: ስላሴ እንታይ ኢዩ፧ ደገፍቱኸ ብኸመይ ኢዮም ዝገልጽዎ፧
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ስእልታት]
ጸጋም:- ኣብ መበል ካልኣይ ሽሓዊ ዓመት (ቅ.ኣ.ዘ.) ዝነበረ ብኣሞን-ራ: ራምሴስ 2ይን ሙትንን ዝቘመ ስሉስ ነገር: ናይ ግብጺ ቅርጺ። የማን:- ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ክፍለ-ዘበን (ከ.ኣ.ዘ.) ዝነበረ ናይ የሱስን ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ቅርጺ ስላሴ። ሰለስተ ኣካላት: ግን ኣርባዕተ መሓውር ጥራይ ዘለዎ ምዃኑ ኣስተብህል።

