ምትሕብባር መንፈሳዊ ዕቤት የምጽእ
ምትሕብባር መንፈሳዊ ዕቤት የምጽእ
ናይ ምትሕብባር መንፈስ፡ ነቶም መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውሉዳት ኬዕብዩ ዚደልዩ ስድራ ቤታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኪፈጥሮም ከሎ፡ ምትሕብባር ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ እዩ። ሄዋን ከም “ደጋፊት” ኰይና ምስ ኣዳም ክትዓዪ ነበራ። (ዘፍ. 2:18) ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ዚደጋገፉ ሰብ ሓዳር ኪዀኑ ኣለዎም። (መክ. 4:9-12) ብዘይካዚ፡ ወለድን ውሉዳትን ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ኣብ ስድራ ቤት ዘለዎም ግደ ንምፍጻም ሓቢሮም ኪዓዩ ኣለዎም።
ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ
ባሪን ሃይዲን ሓሙሽተ ቘልዑ ኣለውዎም። ስሩዕ ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ከም ስድራ ቤት መጠን ሓቢሮም ምዕያዮም፡ ዕቤት ንምግባር ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ባሪ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ቈልዑ ንመጽናዕቲ ስድራ ቤት ንኺዳለዉ፡ ሓሓሊፉ ንኣሽቱ ዕዮታት እህቦም። ካብቲ ኣብ ንቕሑ! ዝወጸ ዓንቀጻት እተወሰነ ሓሳብ ኪህቡ ኸኣ እሓቶም። ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን መእተዊ ናይ ምድላው ልማድ ድማ ነበረና፡ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኸኣ መርኣያ ንምቕራብ ይዳሎ ነበረ።” ሃይዲ ኸኣ፡ “ነፍሲ ወከፍና ኽንበጽሖ ዝወጠንናዮ ዝርዝር መንፈሳዊ ሸቶታት ኣሎና፡ ክሳዕ ክንደይ መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዝገበርና ንምፍላጥ ድማ፡ በብግዜኡ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ስድራ ቤት ንግምግሞ” በለት። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም፡ ኣብ ሰሙን እተወሰነ መዓልትታት ተለቪዥን ካብ ምርኣይ ብምቝጣብ፡ ስድራ ቤቶም ብምልእታ ንንባብ ዚኸውን እኹል ግዜ ኸም እትረክብ ገይሮም እዮም።
ኣኼባታት ጉባኤ
ማይክን ደኒስን ኣርባዕተ ቘልዑ ዘዕበዩ ወለዲ እዮም። ሓቢሮም ብምዕያዮም ስድራ ቤቶም እንታይ ጥቕሚ ረኸበት፧ ማይክ፡ “ሓድሓደ እዋን ዋላ እቲ ጽቡቕ እዩ ዝበልካዮ ውጥን እውን ኣይዓዪን ይኸውን፣ ይኹን እምበር፡ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ናብ ኣኼባታት ኣብ ሰዓትና ንኽንበጽሕ ሓጊዙና እዩ” በለ። ደኒስ ድማ፡ “እቶም ቈልዑ እናዓበዩ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነፍሲ ወከፎም ነናቶም ዕዮ ገዛ ይወሃቦም ነበረ። ኪም ጓልና ኣብ ምኽሻንን ነቲ መኣዲ ዚቐርበሉ ሰደቓ ኣብ ምድላውን ትሕግዝ ነበረት” ብምባል ትገልጽ። ማይክል ወዶም ድማ፡ “ሰሉስ ምሸት ኣብ ገዛና ኣኼባ ጉባኤ ይግበር ነበረ። ስለዚ፡ ገዛ ነተዓራሪ፡ ምድሪ ቤት ነጽሪ፡ መናብር ነዳሉ ነበርና” ብምባል ይዝክር። ማቲው ዚበሃል ካልእ ወዶም ከኣ፡ “ኣቦይ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ምሸት፡ ንኣኼባ ምእንቲ ኽንቀራረብ ኢሉ፡ ካብ ስራሕ ቀልጢፉ ይመጽእ ነበረ” በለ። እንታይ ውጽኢትከ ተረኽበ፧
ክትደኽመሉ ዚግባእ
ማይክ ከምዚ ይብል፦ “ብ1987፡ ኣነን ደኒስን ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጀመርና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ደቅና እቶም ሰለስተ ምሳና ይነብሩ ነበሩ። እቶም ክልተ ድማ ከማና ፈለምቲ ዀኑ፡ ካልኦት ከኣ ኣብ ናይ ቤትኤል ክፍሊ ህንጸት ይዓዩ ነበሩ። ኣርብዓ እተፈላለዩ ሰባት ህይወቶም ወፍዮም ክጥመቑ ኽንሕግዝ ምኽኣልና፡ ሓደ ኻብቲ ስድራ ቤትና ዝረኸበቶ ተወሳኺ ሓጐስ እዩ። ብስድራ ቤት ኴንና ኣብ ወጻኢ ሃገር እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ናይ ምዕያይ ኣጋጣሚ ረኺብና ኢና።”
ብርግጽ እምበኣር፡ ከም ስድራ ቤት መጠን ምትሕብባር ክትደኽመሉ ዚግባእ እዩ። ኣብ ስድራ ቤትኩም ንሓድሕድኩም ክትተሓባበሩ እትኽእሉሉ ኻልእ ኣጋጣሚታት ክትረኽቡ ምኸኣልኩምዶ፧ ናይ ምትሕብባር መንፈስ፡ ስድራ ቤትኩም ዝበለጸ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽትገብር ከም ዚሕግዛ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣቐዲምካ ምድላው መንፈሳዊ ዕቤት የምጽእ