ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ጸሓፊ ምሳሌ 30:18, 19፡ “መገዲ ሰብኣይ . . . ምስ ጓል” ‘ልዕሊ ዓቕሙ ኸም ዝዀነ’ ገሊጹ ኣሎ። እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ምሁራት፡ እዘን ቃላት እዚአን ብዛዕባ ዘለወን ትርጉም ይሓስቡ እዮም። እዘን ፍቕድታት እዚአን ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ከምዚ ይንበባ፦ “ልዕሊ ዓቕመይ ዝዀነ [ወይ፡ “ኣዝዩ ዜደንቐኒ፡” እ.ጽ.] ሰለስተ ነገር ኣሎ፣ ክርድኦ ዘይከኣልኩ ድማ ኣርባዕተ ኣሎ፦ መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማያት፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ መገዲ ሰብኣይ ከኣ ምስ ጓል።”—ምሳ. 30:18, 19።
ኣቐዲምና፡ ነታ “መገዲ ሰብኣይ . . . ምስ ጓል” እትብል ሓረግ፡ ንሕማቕ ነገር ከም እትገልጽ ጌርና ኢና እንርድኣ ኔርና። ስለምንታይሲ፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት፡ “ይኣክል” ዘይብሉ ኣርባዕተ ሕማቕ ነገራት ተጠቒሶም ኣለዉ። (ምሳ. 30:15, 16) ኣብ ፍቕዲ 20 ድማ፡ ዋላ ሓንቲ በደል ከም ዘይገበረት እትዛረብ “ዘማዊት ሰበይቲ” ተጠቒሳ ኣላ። ስለዚ፡ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዚነፍር ንስሪ፡ ከምቲ ኣብ ከውሒ ዚኸይድ ተመን፡ ወይ ከምቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ እትጕዓዝ ናይ ጥንቲ መርከብ፡ ሰብኣይ እውን ዋላ ሓንቲ ኣሰር ከይሓደገ ተግባሩ ኸም ዚገብር የመልክት ኢልና ንሓስብ ኔርና። ብመሰረት እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸኣ፡ “መገዲ ሰብኣይ . . . ምስ ጓል” ዚብል ቃላት ንሕማቕ ነገር ከም ዜመልክት፡ ማለት ሓደ ተንኰለኛ ሰብኣይ ንሓንቲ ገርሂ ጓል ከይተፈለጣ ኸም ዜታልላ ጌርና ንሓስብ ኔርና።
እንተዀነ ግና፡ ነዚ ቓላት እዚ ብኣወንታዊ መገዲ ኽንርእዮ ዚድርኽ እኹል ምኽንያት ኣሎ። እቲ ጸሓፊ በቲ ዝጠቐሶ ነገራት ኣድንቖቱ ጥራይ እዩ ዚገልጽ ነይሩ።
እቲ በዅሪ እብራይስጢ እውን፡ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ንኣወንታዊ ነገር ከተመልክት ከም እትኽእል ይሕብር እዩ። ብመሰረት ቲኦሎጂካል ለክሲኮን ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት ዚብሃል መዝገበ ቓላት፡ እታ ኣብ ምሳሌ 30:18 “ልዕሊ ዓቕመይ ዝዀነ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ‘ንሓደ ዘይተለምደ፡ ዘይከውን፡ ወይ እውን ዜደንቕ’ ነገር ተመልክት።
ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዚዓዪ ፕሮፌሰር ክሮውፎርድ ቶይ፡ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ንሕማቕ ነገር ከም ዘይትገልጽ ደምዲሙ ኣሎ። “የግዳስ፡ እቲ ነገራት ዜደንቕ ምዃኑ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ” ኢሉ ኣሎ።
ስለዚ፡ እቲ ኣብ ምሳሌ 30:18, 19 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት፡ ብሓቂ ዜደንቕ ወይ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ነገራት ይገልጽ ከም ዘሎ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ከምቲ ጸሓፊ፡ ንስሪ ኣብ ሰማይ ብኸመይ ከም ዚነፍር፡ ኣእጋር ዘይብሉ ተመን ኣብ ከውሒ ብኸመይ ከም ዚኸይድ፡ ዓባይ መርከብ ኣብ ባሕሪ ብኸመይ ከም እትጐዓዝ፡ ሰብኣይን ሰበይትን እውን ተፋቒሮም ብኸመይ ሕጉስ ህይወት ከም ዚጅምሩ ንድነቕ ኢና።