ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧ ዘርእስታ ትራክት ብቱቫሉኛ ይዕድል

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥቅምቲ 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንቕሑ! ንምብርካትን ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከም እነርኢ ዚገልጽ ሓቂ ንምስትምሃርን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ትንቢት ዳንኤል መሲሕ ዚመጸሉ እዋን ሓቢሩ ነይሩ

ዳንኤል ምዕራፍ 9 ብዛዕባ ምምጻእ እቲ መሲሕ ብዝርዝር ትገልጽ። ኣብዚ ትንቢት እዚ እንታይ ካልእ ፍጻመታት እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ብኸመይ ትጉህ ተምሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትከውን ትኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ተጽንዕ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ግዜ ፈተና እሙን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ካበይ ኢኻ ኽትጅምር ዘሎካ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ንነገስታት ብዛዕባ ዜጋጥሞም ኣቐዲሙ ረኣየ

የሆዋ ብዛዕባ ምትንሳእን ምውዳቕን ሃጸያዊ ግዝኣትን ነገስታቶምን ብነብዪ ዳንኤል ገይሩ ተነበየ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሪ ደስ ይብሎ—ንስኻኸ፧

ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ብምንታይ እያ እትድረኽ፧ ካብ ተመክሮ ሆሴእን እታ ዘይእምንቲ ሰበይቱ ጎሜርን እንታይ ንምሃር፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ንየሆዋ ዝበለጸ ሃቦ

ንየሆዋ ዝበለጸ ምስ እትህቦ ንልቡ ተሐጕሶ፡ ንስኻ እውን ትጥቀም። ሓደ ኻብቲ የሆዋ ኸም ብሉጽ መስዋእትታት ገይሩ ዚቘጽሮ እንታይ እዩ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ንየሆዋ ብምሉእ ህይወትካ ወድሶ

ህይወት ክቡር ውህበት እዩ። ንተውህቦናን ንኽእለትናን ነቲ ወሃብ ህይወትና ዝዀነ የሆዋ ንምኽባርን ንምውዳስን ክንጥቀመሉ ንጽዕር ኢና።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

‘ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ እዮም’

ንቕቡኣት ኣብ ዕዮ ትንቢት ብኸመይ ክድግፎም እኽእል፧