ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥቅምቲ 2016

 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ምሳሌ 12-16

ጥበብ ካብ ወርቂ ትበልጽ

ጥበብ ካብ ወርቂ ትበልጽ
ኣርኢ
ጽሑፍ
ስእሊ

ጥበብ ኣምላኽ ኣዝያ ጠቓሚት ዝዀነ ስለምንታይ እያ፧ ነቶም ዚውንንዋ ኻብ ሕማቕ መገድታት ተድሕኖም፣ ብህይወት ከም ዚነብሩ ድማ ትገብሮም። ኣብ ኣመለኻኽታኦምን ኣብ ዘረባኦምን ኣብ ተግባሮምን ከኣ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዋ።

ጥበብ ካብ ትዕቢት ተዕቍብ

16:18, 19

  • ጥበበኛ ሰብ፡ የሆዋ ምንጪ ዅሉ ጥበብ ከም ዝዀነ ይግንዘብ

  • ብፍላይ ዕዉታት ሰባት ወይ እቶም ዝያዳ ሓላፍነት እተቐበሉ ሰባት፡ ካብ ትዕቢት ኪጥንቀቑ ኣለዎም

ጥበብ፡ ጥዑም ዘረባ ኸም እትዛረብ ትገብር

16:21-24

  • ጥበበኛ ሰብ፡ ኣብ ካልኦት ሰናይ ምእንቲ ኺረክብን ብዛዕባኦም ጽቡቕ ምእንቲ ኺዛረብን ልቦና ይጥቀም

  • ጥበብ ዝሓዘ ቓላት፡ ተሪር ወይ ዜፋጥጥ ዘይኰነስ፡ ዜእምንን ከም መዓር ጥዑምን እዩ