ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ጥሪ 2017

 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኢሳይያስ 34-37

ህዝቅያስ ዓስቢ እምነቱ ረኸበ

ህዝቅያስ ዓስቢ እምነቱ ረኸበ

ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነታ ኸተማ ምእንቲ ኼምበርክኻ ንራብሳቀ ናብ የሩሳሌም ለኣኾ። ኣሶራውያን ንኣይሁድ ብዘይ ውግእ ኢዶም ከም ዚህቡ ምእንቲ ኺገብርዎም እተፈላለየ ርእይቶታት ተጠቕሙ።

  • ተነጽሎ። ግብጺ ዋላ ሓንቲ ኣይትሕግዘኩምን እያ።—ኢሳ 36:6

  • ጥርጣረ። የሆዋ ብኣኻትኩም ስለ ዝጐሃየ፡ ኣይኪዋግኣልኩምን እዩ። —ኢሳ 36:7, 10

  • ምፍርራህ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓያል ሰራዊት ኣሶር ደው ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።—ኢሳ 36:8, 9

  • መህረሪ። ንኣሶር ኢድኩም እንተ ሂብኩም፡ ናብራኹም ኪመሓየሽ እዩ። —ኢሳ 36:16, 17

ህዝቅያስ ኣብ የሆዋ ጽንዕቲ እምነት ኣርኣየ

37:1, 2, 14-20, 36

  • እታ ኸተማ ቕድሚ ምኽባባ ዜድሊ ምድላው ገበረ

  • ምእንቲ ኼድሕኖ ናብ የሆዋ ጸለየ፡ ነቶም ህዝቢ እውን ከምኡ ኺገብሩ ኣተባብዖም

  • የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ ብሓንቲ ለይቲ 185,000 ኣሶራውያን ጀጋኑ ምስ ቀተለ፡ ህዝቅያስ ዓስቢ እምነቱ ረኸበ