ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣብ ጋና ብስራት የበስሩ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥሪ 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ንምብርካትን ብዛዕባ ምልክት ዳሕሮት መዓልትታት ዚገልጽ ሓቂ ንምስትምሃርን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ንህዝቡ ይከናኸኖም

የሆዋ ኣምላኽ ልክዕ ከም ሓደ ለጋስ ተቐባሊ ጋሻ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ የቕርበልና።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ንጉስ ምእንቲ ጽድቂ ኺነግስ እዩ”

የሱስ እቲ ንጉስ ነቲ መጓሰ ዚከናኸኑ ሽማግለታት የዳሉ። ነቲ መጓሰ መንፈሳዊ መምርሕን ዕረፍትን ብምሃብ የቕስንዎ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ህዝቅያስ ዓስቢ እምነቱ ረኸበ

ኣሶራውያን ንኣይሁድ ብዘይ ውግእ ኢዶም ከም ዚህቡ ኺገብርዎም እኳ እንተ ፈተኑ፡ የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ ንየሩሳሌም ተኸላኸለላ።

ክርስትያናዊ ህይወት

“ኦ የሆዋ፡ . . . ብኣኻ እእመን እየ”

ኣብ ጽቡቕ ይኹን ኣብ ሕማቕ እዋን ብየሆዋ ኽንእመን ኣገዳሲ እዩ። ህዝቅያስ ብኣምላኽ ከም ዚእመን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ

እቲ ንስሪ ብዘይ ዕረፍቲ ዚገብሮ ምንስፋፍ፡ ኣምላኽ ንዚህበና ብርታዐ፡ ኣብ ኣምልኾና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ጽቡቕ ምሳሌ እዩ።

ክርስትያናዊ ህይወት

መስጐጕቲ ንዚወርዶም ክርስትያናት ኣብ ጸሎትካ ዘክሮም

መስጐጕቲ ንዚወርዶም ክርስትያናት ምእንቲ ኽንሕግዞም እንታይ ኢልና ኽንጽልየሎም ንኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ናይ ሓቂ ትንቢት ዚንበ ኣምላኽ እዩ

የሆዋ ዳርጋ 200 ዓመት ቅድሚ ስዕረት ባቢሎን፡ እንታይ ከም ዚኸውን ዚገልጽ ዝርዝር ትንቢት፡ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ሂቡ ነበረ።