ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ጥሪ 2016

 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትመርሕ

ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትመርሕ
  1. እቲ ብዓል ቤት ኣብቲ ቐንዲ ነጥቢ ምእንቲ ኼተኵር፡ ነታ ብቝጽሪ እተፈልየት ብድሙቕ እተጻሕፈት ሕቶ ኣንብበሉ።

  2. ነታ ቐጺላ ዘላ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብባ።

  3. ነቲ ብሰያፍ እተጻሕፈ ጥቕስታት ኣንብበሉ እሞ፡ ብሜላ ሕቶታት ብምሕታት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብቝጽሪ እተፈልየ ሕቶታት ብኸመይ ከም ዚምልሶ ንኺርዳእ ሓግዞ።

  4. ኣብ ትሕቲ እታ ሕቶ ኻልእ ሕጡብ ጽሑፍ እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ኣብ 2ን 3ን ዘሎ ነጥብታት ድገሞ። ኣብ jw.org ምስታ ሕቶ እትኸይድ ቪድዮ እንተ ኣልያ፡ ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ ኣርእዮ።

  5. እቲ ብዓል ቤት ከም እተረድኦ ምእንቲ ኸተረጋግጽ፡ ነታ ብቝጽሪ እተፈልየት ሕቶ ኺምልሳ ሕተቶ።