ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥሪ 2016

 ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ነቲ ዝተኸልናዮ ዘርኢ ሓቂ ኸነስትዮ ንደሊ ኢና። (1ቈረ 3:6) ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ምስ ዜጋጥመና ኸኣ፡ ካልእ ግዜ ኣብ እንምለሰሉ እዋን እንመያየጠሉ ሕቶ ሓቲትና እንተ ኸድና ጽቡቕ እዩ። ከምዚ ምግባር እቲ ብዓል ቤት ነቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበዮ ይገብር፣ ንዓና እውን ነቲ ንተመላሊስካ ምብጻሕ እንገብሮ ምድላው የቕልለልና። ተመሊስና ምስ ከድና፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ምብጻሕና ዘልዓልናያ ሕቶ ንኽንምልሳ ኸም ዝመጻእና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እትገብሮ ኣቀራርባኻ ኽተዳለወሉ ኸለኻ፡ ኣብ ዚቕጽል ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትምልሳ ሕቶ እውን ተዳሎ። እታ ሕቶ ኣብ ኣርእስቲ እቲ እተበርክቶ ጽሑፍ እተመስረተት ክትከውን ትኽእል እያ። ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ኻብቲ ምስ ተመለስካ እተፋልጦ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋትና እተመለሰት ሕቶ ኽትከውን ትኽእል እያ።

  • ምስ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ምይይጥካ ኣብ እትዛዝመሉ እዋን፡ ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸም እትደሊ ሓብሮ፡ ድሕሪኡ ነታ ዘዳለኻያ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ እትምለስ ሕቶ ንገሮ። እንተ ተኻኢሉ፡ ኣድራሻኡ ውሰድ።

  • ነቲ ብዓል ቤት ድሕሪ እተወሰነ እዋን ከም እትመጽእ እንተ ነጊርካዮ፡ ቈጸራኻ ኣኽብር።—ማቴ 5:37