ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥሪ 2016

25-31 ጥሪ

እዝራ 6-10

25-31 ጥሪ
  • መዝሙር 10ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • የሆዋ ብፍታዎም ዚዓይዩ ኣገልገልቲ ይደሊ”፦ (10 ደቒቕ)

    • እዝ 7:10—እዝራ ልቡ ኣዳለወ

    • እዝ 7:12-28—እዝራ ናብ የሩሳሌም ኪምለስ ተዳለወ

    • እዝ 8:21-23—እዝራ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዜዕቍቦም እምንቶ ነበሮ

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • እዝ 9:1, 2—ምስ ‘ህዝቢ እቲ ሃገር’ ምውሳብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓደገኛ ነይሩ፧ (w06 15/1 20 ¶1)

    • እዝ 10:3—እቶም ቈልዑ ምስ ኣዴታቶም እተሰደዱ ስለምንታይ እዮም፧ (w06 15/1 20 ¶2)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እዝ 7:18-28 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ኣበርክት፣ ነቲ ኣብ ትምህርቲ 8 ዚርከብ ሕቶ 1ን ሕጡብ ጽሑፍ 1ን ድማ ተመያየጡሉ። ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ድማ ኣንብር።

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ንእተቐበለ ሰብ ተመላሊስካ ምብጽሕ ብኸመይ ከም ዚግበረሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ነቲ ኣብ ትምህርቲ 8 ዚርከብ ሕቶ 1ን ሕጡብ ጽሑፍ 2ን ተመያየጠሉ። ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ከኣ ኣንብር።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) በታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ትምህርቲ 8፡ ሕቶ 2 ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምራሕ ከሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 1

  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር”፦ (7 ደቒቕ) ምይይጥ። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ንምጕላሕ፡ ኣስፋሕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ብሮሹር ብስራት ኣምላኽን ምስ ኣበርከቱ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ብኸመይ ከም ዜንብሩ ንእተርኢ ቪድዮ ኽእለት ጥሪ ወሊዕካ ኣርኢ።

  • ነታ ጉባኤ ዜድሊ፦ (8 ደቒቕ)

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ lv ምዕ. 5 ሕ.ጽ. 16-23 (30 ደቒቕ)

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 6ን ጸሎትን