ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥሪ 2016

11-17 ጥሪ

2 ዜና መዋእል 33-36

11-17 ጥሪ
  • መዝሙር 35ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • የሆዋ ንናይ ሓቂ ንስሓ ኣኽቢሩ ይርእዮ”፦ (10 ደቒቕ)

    • 2ዜና 33:2-9, 12-16—ምናሴ ብመሰረት እቲ ዘርኣዮ ናይ ሓቂ ንስሓ፡ ምሕረት ረኺቡ እዩ (w05 1/12 21 ¶5)

    • 2ዜና 34:18, 30, 33—መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብናን ነቲ ዘንበብናዮ ድማ ምስትንታንናን ኣጸቢቑ ኺትንክፈና ይኽእል እዩ (w05 1/12 21 ¶10)

    • 2ዜና 36:15-17—ርሕራሐን ትዕግስትን የሆዋ ኣቕሊልካ ኺርአ የብሉን (w05 1/12 21 ¶7)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • 2ዜና 33:11—ምናሴ ናብ ባቢሎን ምስ ተወስደ ኣየናይ ትንቢት እዩ ተፈጺሙ፧ (it-1-E 62 ¶2፣ w06 1/12 9 ¶5)

    • 2ዜና 34:1-3—ካብቲ ዮስያስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ መተባብዒ ኽንረክብ ንኽእል፧ (w05 1/12 21 ¶6)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2ዜና 34:22-33 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ገበር እታ እዋናዊት ግምቢ ዘብዐኛ ኣፋልጥ። ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ድማ ኣንብር።

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ንገበር እታ እዋናዊት ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ኣፋለጥካዮ ጽቡቕ ምላሽ ንዝሃበ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዚግበረሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ከኣ ኣንብር።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። (bh 9-10 ¶6-7)

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 21

  • ንስሓ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፦ (10 ደቒቕ) ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። (w06 15/11 27-28 ¶7-9)

  • ብናጻ ይቕረ በል፦ (5 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቢካም ጂሆቫስ ፍሬንድ—ፎርጊቭ ፍሪሊ (ዓርኪ የሆዋ ኹን—ብናጻ ይቕረ በል) ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። (ኣብ jw.org ኣቲኻ፡ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > CHILDREN ርአ።) ድሕሪኡ፡ ንቘልዑ፡ ካብዛ ቪድዮ እዚኣ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዝረኸቡ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ lv ምዕ. 5 ሕ.ጽ. 1-6፡ “ቀዳሞት ገለልተኛታት ክርስትያናት” ዘርእስታ ሳጹን፡ ክለሳ ምዕራፍ (30 ደቒቕ)

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 6ን ጸሎትን