ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ስዊዘርላንድ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ግንቦት 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ግምቢ ዘብዐኛ ንምብርካትን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ነገራት ዚገልጽ ሓቂ ንምስትምሃርን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እስራኤል ከም እትሕደስ ዚሕብር ምልክት

የሆዋ ኣምላኽ ንነብዪ ኤርምያስ መሬት ኪዕድግ መምርሒ ኺህቦ ኸሎ እንታይ ቃል እዩ ኣትዩሉ፧ የሆዋ ሕያውነቱ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ዔቤድ-ሜሌክ ናብ ንጉስ ጼዴቅያስ ይቐርብ

ዔቤድ-ሜሌክ ናብ ንጉስ ጼዴቅያስ ቀሪቡ ትብዓት ዝመልኦ ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ፣ ንነብዪ ኤርምያስ ድማ ለውሃት ኣርኣዮ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንቦታታት ኣምልኾና ንከናኸኖ

ቦታታት ኣምልኾና ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ስለ ዚጸውር፡ ብጽሬት ክንሕዞን ጽገና ኽንገብረሉን ኣሎና። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ምክንኻን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እጃምና ኸነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ይፈድዮ

ነብዪ ኤርምያስን ንጉስ ጼዴቅያስን ምስ ጥፍኣት የሩሳሌም እተተሓሓዘ እተፈላለየ ታሪኽ ኣለዎም።

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ንፍቕርኻ ኣይርስዖን እዩ

የሆዋ ነቶም ኣገልግሎቶም ውሱን ዝዀነ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራት” ኣይትድለ

ባሩኽ ንየሆዋ የምልኽ፡ ንኤርምያስ ድማ እሙን ኰይኑ ይሕግዞ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓደ እዋን ግና ሚዛኑ ስሒቱ ነይሩ እዩ። ካብቲ ቐሪቡ ዝነበረ ጥፍኣት የሩሳሌም ምእንቲ ኺድሕን እንታይ ኪገብር እዩ ዜድልዮ ነይሩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ንትሑታት ይባርኾም፡ ንዕቡያት ግና ይቐጽዖም

ትዕቢተኛ ባቢሎን ንህዝቢ የሆዋ ጨቈነቶም። እተነስሑ እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ሓራ ወጹ። ንባቢሎን እንታይ ኣጋጠማ፧