ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ግንቦት 2016

 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 1-10

ምስ የሆዋ ሰላም ምእንቲ ኺህልወና ንወዱ የሱስ ከነኽብሮ ኣሎና

ምስ የሆዋ ሰላም ምእንቲ ኺህልወና ንወዱ የሱስ ከነኽብሮ ኣሎና

ንየሆዋን ንየሱስን ጽልኢ ብዛዕባ ዜሕድሩ ሰባት ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ

2:1-3

  • ህዝብታት ንናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን እምበር፡ ንስልጣን የሱስ ከም ዘይቅበልዎ ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ

  • እዚ ትንቢት እዚ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተፈጺሙ እዩ፣ ሎሚ ድማ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ይረክብ ኣሎ

  • ጸሓፊ መዝሙር ምዕራፍ 2፡ “ህዝብታትሲ ኸንቱ ኣዕዘምዚሞም” ኪብል ከሎ፡ ዕላማኦም ባዶ ኸም ዝዀነን ከም ዚፈሽልን እዩ ዚገልጽ ነይሩ

እቶም ብየሆዋ ንእተቐብአ ንጉስ ዜኽብሩ ጥራይ ህይወት ኪረኽቡ እዮም

2:8-12

  • ኵሎም እቶም ንመሲሓዊ ንጉስ ዚጻረሩ ዘበሉ ኺጠፍኡ እዮም

  • ሰባት ንወዱ የሱስ ብምኽባር፡ ሰላምን ዕቝባን ኪረኽቡ ይኽእሉ