ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ነሓሰ 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ዚቕጽል ሓጋዚ ፈላሚ ክኸውን ዝኽእል መዓስ እየ፧

ኣብ ዚቕጽል ሓጋዚ ፈላሚ ክኸውን ዝኽእል መዓስ እየ፧

እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤተ መቕደስ፡ ህዝቢ የሆዋ መስዋእቲ ፍታው ኪህቡ ኸም ዘለዎም ይሕብር። ብውልቅና መስዋእቲ ውዳሰ ኣብ ምቕራብ ክንካፈል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—እብ 13:15, 16

ሓደ ኻብቲ ኣገልግሎትና ኸነስፍሓሉ እንኽእለሉ ብሉጽ መገዲ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል እዩ። ዓመት ኣገልግሎት 2018፡ ሓሙሽተ ቐዳም ወይ ሓሙሽተ ሰንበት ዝሓዘ ኣዋርሕ ኣለዎ። እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ምሉእ መዓልቲ ዓለማዊ ስራሕ ስለ ዚሰርሑ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ጥራይ ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ዚኽእሉ ሓጋዚ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ መጋቢትን ኣብ ሚያዝያን ከምኡ እውን ሓላው ወረዳ ኣብ ዚበጽሓሉ ወርሒ፡ ን30 ሰዓት ወይ ን50 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።

ይኹን እምበር፡ ኵነታትና ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል እንተ ዘይፈቒዱልናኸ፧ መዳያት ኣገልግሎትና ኸነመሓይሽ ክንጽዕርን ምናልባት እውን እነገልግለሉ ሰዓታት ክብ ከነብል ንኽእል ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2018 በታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና እቲ ዝበለጸ ንዕኡ ንሃቦ!—ሆሴ 14:2

ሳቢና ሀርናንደዝ ንዘርኣየቶ ቕንኣት ክቐድሖ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ነታ ሳላ የሆዋ ዳርጋ ዅሉ ነገራት ክገብር እኽእል እየ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሳቢና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ኽትዓዪ ዝደረኻ እንታይ እዩ፧

  • ኣብነት ሳቢና ዜተባብዓካ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2018፡ ኣብ ኣየነይቲ ወርሒ ወይ ኣብ ኣየኖት ኣዋርሕ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእል፧