ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ነሓሰ 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል—እምነት

ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል—እምነት

ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

  • ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ እምነት ኣድላዪት እያ። —እብ 11:6

  • ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ እምነት ምሕዳር፡ ፈተናታት ክንጻወር ይሕግዘና።—1ጴጥ 1:6, 7

  • ጕድለት እምነት ናብ ሓጢኣት ኪመርሕ ይኽእል።—እብ 3:12, 13

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

እምነተይን እምነት ስድራ ቤተይ ከደልድል ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ነታ ተኣማንነት ዚሃንጽ ዘበለ ስዓብ—እምነት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ‘ግብዝና ዘይብላ እምነት’ እንታይ እያ፧ (1ጢሞ 1:5)

  • ድልድልቲ እምነት ንምህናጽ፡ ከነወግዶ ዘሎና ኣሉታዊ ጽልዋ እንታይ እዩ፧

  • ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ እምነት ኣድላዪት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (እብ 10:39)