ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ኣብ ኣዘርባጃን፡ ኣስፋሕቲ ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ የበርክታ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ነሓሰ 2017

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንቕሑ! ንምብርካትን ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ስለምንታይ ከም ዝፈጠሮም ብዛዕባ ዚገልጽ ሓቂ ንምስትምሃርን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

የሆዋ ንሓንቲ ኣረማዊት ሃገር ዓስቢ ሃባ

ባቢሎናውያን ን13 ዓመት ንጢሮስ ድሕሪ ምኽባቦም፡ የሆዋ ዓስቦም ሃቦም። የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት እንዓይዮ ዕዮን እንኸፍሎ መስዋእትን ዜማስወሉ ብኸመይ እዩ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል—ትሕትና

ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ብኸመይ ከነንጸባርቓ ንኽእል፧ ጸሎትን የሱስ ዝሓደጎ ኣብነትን ትሕትና ኸነማዕብል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ሓላዊ ዘለዎ ኸቢድ ሓላፍነት

ሓላውቲ ንሓንቲ ኸተማ ብዛዕባ እቲ ዚመጻ ሓደጋ ናይ ምጥንቃቕ ሓላፍነት ነበሮም። የሆዋ ንህዝቅኤል ምሳሌያዊ ሓላዊ ቤት እስራኤል ገይሩ ኺሸሞ ኸሎ እንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል—ትብዓት

ፍርሂ ሰብ ከነወግድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምስትንታንን ጸሎትን ብየሆዋ ምእማንን ኣምላኻዊ ትብዓት ከነማዕብል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪጠፍእ እዩ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ቅድሚ ምጥፋኡን ድሕሪ ምጥፋኡን ብዛዕባ ዚህሉ ፍጻመታት ይገልጽ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል—እምነት

ከም ኣብርሃም ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘሎና ኸነርኢ ይግባእ። ድልድልቲ እምነትን ተኣማንነትን ክንሃንጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤተ መቕደስ ምሳኻ ዘለዎ ርክብ

እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ነቲ የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዘለዎ ልዑል ስርዓታት የዘኻኽረና። እዚ ራእይ እዚ እንታይ ንምግባር ይድርኸና፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ዚቕጽል ሓጋዚ ፈላሚ ክኸውን ዝኽእል መዓስ እየ፧

ሓደ ኻብቲ መስዋእቲ ውዳሰ ኸነቕርብ እንኽእለሉ ብሉጽ መገድታት፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል እዩ። በዚ መዳይ እዚ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትኽእልዶ፧