ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ነሓሰ 2016

 ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 102-105

የሆዋ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ

የሆዋ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ

ዳዊት፡ ምሕረት የሆዋ ንምግላጽ ስእላዊ ዘረባ ተጠቕመ።

  • 103:11

    ከምቲ ኣብ መንጎ እቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ንዘሎ ርሕቀት ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዘይንኽእል፡ ነቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እውን ክንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና

  • 103:12

    ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ኸምኡ ገይሩ እዩ ዜርሕቖ

  • 103:13

    ከምቲ ሓደ ኣቦ ንእተጐድአ ወዱ ዚርሕርሓሉ፡ የሆዋ እውን ነቶም እተነስሑ እሞ ብሰሪ ሓጢኣቶም እተደቝሱ ሰባት ይምሕሮም እዩ