ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ታሕሳስ 2017

4-10 ታሕሳስ

ጸፎንያስ 1–ሃጌ 2

4-10 ታሕሳስ
  • መዝሙር 27ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • መዓልቲ ቝጥዓኡ ኸይመጸት፡ ንየሆዋ ድለዮ”፦ (10 ደቒቕ)

    • [መእተዊ ጸፎንያስ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]

    • ጸፎ 2:2, 3—ንየሆዋ ድለዮ፡ ጽድቂ ድለ፡ ዓቕሊ ድለ (w01 15/2 18-19 ¶5-7)

    • [መእተዊ ሃጌ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ጸፎ 1:8—ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ እንታይ መጠንቀቕታ ንረክብ፧ (w07 15/11 11 ¶3)

    • ሃጌ 2:9—ቤተ መቕደስ ዘሩባቤል ካብ ቤተ መቕደስ ሰሎሞን ብኽብሪ ትበልጽ ዝነበረት በየናይ መገድታት እያ፧ (w07 1/12 9 ¶2)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ሃጌ 2:1-14

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይዚ ወርሒ እዚ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ኣብቲ “ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት” እተመስረተ ምይይጥ። ነተን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ዜርእያ ቪድዮታት ወልዓየን፣ ደድሕሪ ሓንቲ ቪድዮ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ተመያየጡሉ። ኣስፋሕቲ ንቕሑ! ቍ. 6 2017 ንብዙሓት ሰባት ኪዕድልዋ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣተባብዓዮም። ይኹን እምበር፡ ንሰባት ብቐጥታ ኽንዛረቦም ስለ እንደሊ፡ ኣብ ቤቶም ንዘይተረኽቡ ሰባት ነዛ መጽሔት ክንገድፈሎም የብልናን።

ክርስትያናዊ ህይወት