ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ታሕሳስ 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧

ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧

የሆዋ ንመውስቦ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ነባሪ ማእሰር ከም ዚኸውን ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። (ዘፍ 2:22-24) ሰብ ሓዳር ኪፋትሑ ዚኽእሉ፡ ብምኽንያት ምንዝርና ጥራይ እዮም። (ሚል 2:16፣ ማቴ 19:9) የሆዋ፡ ሰብ ሓዳር ምስ መጻምድቶም ተሓጒሶም ኪነብሩ ስለ ዚደልዮም፡ ክርስትያናት ንመጻምድቶም ብጥበብ ኪመርጹን ዜሐጕስ ሓዳር ኪምስርቱን ዚሕግዞም መሰረታዊ ስርዓታት ሂብዎም እዩ።—መክ 5:4-6

ነታ ዋት ኢዝ ትሩ ላቭ (ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እቲ ፍራንክን ቦኒን ንሊዝ ጓሎም ዝሃብዋ ማዕዳ፡ ጥበባውን ፍቕራውን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

  • ንሓዳር እንሓስቦ ሰብ፡ ድሕሪ ግዜ ንባህርዩ ኽንቅይሮ ኸም እንኽእል ምሕሳብ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ፖልን ፕሪሲላን ንሊዝ እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዮም ሂቦምዋ፧

  • ዛክን ሜጋንን ኣብ ሓዳሮም ጸገማት እተፈጥረ ስለምንታይ እዩ፧

  • ጆንን ሊዝን ዝነበሮም ተመሳሳሊ ሸቶ እንታይ እዩ፧

  • ምስቲ ኽትምርዓዎ ዝሓሰብካዮ ሰብ ቃል ኪዳን ቅድሚ ምትእትታውካ፡ ነቲ “ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ” ክትፈልጦ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧ (1ጴጥ 3:4)

  • ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ እያ፧ (1ቈረ 13:4-8)