ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ታሕሳስ 2017

 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ኣብ ክልኻ ንዚነብሩ ዅሎም ሰባት ርኸቦም

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ኣብ ክልኻ ንዚነብሩ ዅሎም ሰባት ርኸቦም

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ዘካርያስ ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ሰባት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ምላሽ ከም ዚህቡሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዘካ 8:23) ግናኸ፡ መን እዩ ኺምህሮም፧ (ሮሜ 10:13-15) ኣብ ክልና ንዚነብሩ ዅሎም ሰባት፡ ብስራት ከነካፍሎም ፍሉይ መሰልን ሓላፍነትን ኣሎና።—od 95 ¶2–96 ¶1

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ተዳሎ። ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ JW Language ኣፕሊኬሽን፡ ቀሊል ኣቀራርባታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ውልቀ ሰብ ብቛንቋኡ ዝያዳ ሓበሬታ ኻብ jw.org ከመይ ገይሩ ኸም ዚረክብ ብሞባይልካ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ

  • ኣስተብህል። ካብ ቤት ናብ ቤት ክትዓዪ ኸለኻ ንእትረኽቦ ኻልእ ኣጋጣሚታት እውን ተጠቐመሉ። ነቶም በቲ መገዲ ዚሓልፉ ዀነ ነቶም ኣብ ማኪና ኾፍ ኢሎም እትረኽቦም ሰባት ኣዘራርቦም። ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ክትካፈል ከለኻ፡ ኣብ ዕዮኻ ኣተኵር

  • ትጉህ ኩን። ነቶም ኣብ ፈለማ ምብጻሕ ኣብ ቤቶም ዘይረኸብካዮም ሰባት ክትረኽቦም ደጋጊምካ ፈትን። ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ንዘለዉ ሰባት ርኸቦም፣ ክትረኽቦም እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት ወይ ኣብ እተፈላለየ መዓልትታት ክትረኽቦም ጻዕሪ ግበር። ገሊኦም ሰብ ቤት፡ ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ወይ ከኣ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ክትረኽቦም ትኽእል ትኸውን

  • ተመሊስካ ብጽሓዮም። ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ብቕልጡፍ ተመለሶም። ቋንቋኻ ዘይዛረብ ሰብ ምስ ዜጋጥመካ፡ ብቛንቋኡ ኼዘራርቦ ዚኽእል ሰብ ድለ። ነቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ፡ ቋንቋኡ ዚዛረቡ ኣስፋሕቲ ኽሳዕ ዚረኽብዎ ብቐጻሊ ብጽሓዮ።—od 105 ¶2-3

ነታ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ” ይሰብኩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ኣብ ግሉል ቦታ ዚነብሩ ሰባት ኪረኽብዎም ቅድሚ ምኻዶም፡ እንታይ ምድላዋት እዮም ገይሮም፧ (1ቈረ 9:22, 23)

  • እንታይ ዕንቅፋታት እዮም ሰጊሮም፧

  • እንታይ በረኸት እዮም ረኺቦም፧

  • ኣብ ክልኻ ንዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኽትምስክረሎም፡ እንታይ ጻዕሪ ኽትገብር ትኽእል፧