ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ታሕሳስ 2016

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ንቕሑ!

ሕቶ፦ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ጽቡቕ ጥዕና ኺህልዎም ይደልዩ እዮም። ገዛእ ርእስና ኻብ ሕማም ንምክልኻል እንታይ ክንገብር እንኽእል ይመስለካ፧

ጥቕሲ፦ ምሳ 22:3

መፋለጢ፦ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ ጐራሓት ንምዃንን ሕማም ዜስዕቦ ሓደጋ ንምንካይን ክንወስዶ ዘሎና ስጕምትታት ትገልጽ።

ሓቂ ምሃር

ሕቶ፦ ጠንቂ ዜጋጥመና መከራ፡ ኣምላኽ ድዩ ወይስ ካልእ ረቛሒታት፧

ጥቕሲ፦ እዮ 34:10

ሓቂ፦ ጠንቂ ዜጋጥመና መከራ፡ ኣምላኽ ኣይኰነን። የግዳስ፡ መከራ ዜጋጥም ብሰንኪ ድያብሎስ፡ ብሰንኪ እቶም ሕማቕ ምርጫ ዚገብሩ ሰባት፡ ሓድሓደ እዋን ድማ ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሕን እዩ። መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ኣምላኽ ይድግፈና እዩ። ንሱ ብሓቂ ይሓልየልና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ቪድዮ)

ሕቶ፦ ኣምላኽ ንዓለም ዚቈጻጸራዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ የገርመካ ይኸውን። እዛ ሓጻር ቪድዮ እዚኣ ብዛዕባ እዚ ትገልጽ። [ነታ ቪድዮ ወልዓያ።]

መፋለጢ፦ ምዕራፍ 11 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዘፍቀደን ንመከራ እንታይ ከም ዚገብሮን ትገልጽ። [ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣበርክት።]

ናይ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምድላው፡ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት ተጠቐም።