ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ታሕሳስ 2016

26 ታሕሳስ–1 ጥሪ

ኢሳይያስ 17-23

26 ታሕሳስ–1 ጥሪ
  • መዝሙር 42ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • ንስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም ስልጣን የስእን”፦ (10 ደቒቕ)

    • ኢሳ 22:15, 16—ሸብና ንስልጣኑ ስስዐ ብዚመልኦ መገዲ ተጠቕመሉ (ip-1-E 238 ¶16-17)

    • ኢሳ 22:17-22—የሆዋ ንሸብና ብኤልያቂም ተክኦ (ip-1-E 238-239 ¶17-18)

    • ኢሳ 22:23-25—ሸብና ኻብ ዘሕለፎ ተመክሮ ጠቓሚ ትምህርቲ ንረክብ (w07 15/1 8 ¶6ip-1-E 240-241 ¶19-20)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ኢሳ 21:1—“በረኻ ባሕሪ” ተባሂሉ እተጸውዐ ኣየናይ ዞባ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (w06 1/12 11 ¶2)

    • ኢሳ 23:17, 18—መኽሰብ ጢሮስ “ንየሆዋ እተቐደሰ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ip-1-E 253-254 ¶22-24)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ኢሳ 17:1-14

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) bh—ምስታ መጽሓፍ ምእንቲ ኸተፋልጦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ተጠቐም። (መዘኻኸሪ፦ ኣብ እዋን እቲ መርኣያ ነታ ቪድዮ ኣይትወልዓያ።)

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) bh—ኣብ ኣፍ ደገ ዄንካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር፣ ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ድማ ኣንብር።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) lv 150-151 ¶10-11—ብኸመይ ልቡ ኸም እትትንክፍ ኣርኢ።

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 44

  • ‘ክትነቅሕ’ ዲኻ፧ (8 ደቒቕ) ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12-16 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ንዅሎም ኣስፋሕቲ፡ ኣብነት እቲ ኢሳይያስ ብራእይ ዝረኣዮ ሓላውን እተን የሱስ ብምሳሌ ዝጠቐሰን ሓሙሽተ ደናግልን ብምስዓብ ኪነቕሑ ኣተባብዓዮም። —ኢሳ 21:8፣ ማቴ 25:1-13

  • ውድባዊ ዕማማት፦ (7 ደቒቕ) ኣብ ታሕሳስ ነታ ውድባዊ ዕማማት ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) ia ምዕ. 5 ሕ.ጽ. 1-13

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 4ን ጸሎትን