ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ  |  ሰነ 2017

 ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ተስፋታት የሆዋ ዘላትካ እምነት ክሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ፧

ኣብ ተስፋታት የሆዋ ዘላትካ እምነት ክሳዕ ክንደይ እያ ድልድልቲ፧

እያሱን ሰሎሞንን የሆዋ ኻብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት ኣረጋጊጾም እዮም። (እያ 23:14፣ 1ነገ 8:56) ምስክርነት እዞም ክልተ እሙናት መሰኻኽር ድማ ነቲ እምነትና ንእንሃንጸሉ ጽኑዕ መሰረት የደልድሎ እዩ።—2ቈረ 13:1፣ ቲቶ 1:2

የሆዋ ብግዜ እያሱ ንዘተስፈዎ ተስፋታት ብኸመይ ፈጺምዎ፧ ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ ነታ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይወደቐትን ዘርእስታ ቪድዮ ድራማ ርኣያ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦ (1) ረሃብ ብእምነት ንዝፈጸመቶ ተግባር ብኸመይ ክትቀድሖ ትኽእል፧ (እብ 11:31፣ ያእ 2:24-26) (2) ኣብነት ዓካን፡ ኰነ ኢልካ ዚግበር ዘይተኣዛዝነት ናብ ውድቀት ከም ዜምርሕ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (3) ሰብ ጊብዖን ጀጋኑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንእያሱ ኣታሊሎም ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (4) ሓሙሽተ ነገስታት ኣሞራውያን ንእስራኤል ስግኣት ምስ ኰንዋ፡ ቃል የሆዋ እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧ (እያ 10:5-14) (5) ኣብ ህይወትካ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ከተቐድም ከለኻ፡ የሆዋ ዝሓገዘካ ብኸመይ እዩ፧—ማቴ 6:33

ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበሮ፡ ዚገብሮ ዘሎ፡ ንመጻኢ ዚገብሮ ምስ እነስተንትን፡ እታ ኣብ ተስፋታቱ ዘላትና እምነት ክትድልድል እያ።—ሮሜ 8:31, 32

ከም ናይ እያሱ ዝበለት እምነት ኣላትካዶ፧